ውድብ ጥዕና ዓለም ደቡብ ሱዳን ብለበዳ ኢቮላ ናይ ምጥቃዕ ዕድላ ዝለዓለ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።
ደቡብ ሱዳን ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣጋጢሙ ንዘሎ ለበዳ ሕማም ኢቮላ ኣዝያ ተቓላዒት ከምዝኾነት ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣብ ብዘውፀኦ መፅናዕቱ ኣጠንቂቑ። ከም መፅናዕቲ ውድብ ጥዕና ዓለም እንተኾይኑ እቲ ለበዳ ናብ ደቡብ ሱዳን ናይ ምእታው ዕድሉ 70 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ተመራመርቲ ግምቶም ከምዘቐመጡ እዩ ዘመልከት።
ትማሊ ሓሙስ “ዘ-ላንሴት” ኣብ ዝተብሃለ መፅሄት ዝተሓተመ መፅናዕቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘመላኸቶ “Bundibugyo” ዝተብሃለ ዓሌት ሕማም ኢቮላ ኣቐዲሙ ናብ ኡጋንዳ ከምዝኣተወ ዝገለፀ እንትኾን ቀፂላ ድማ ደቡብ ሱዳን ነዚ ለበዳ ተቓላዒት ክትኸውን ከምእትኽእል ኣጠንቂቑ እዩ። ዛጊድ ድማ ኣብ ኡጋንዳ 20 ሰባት ብዚ ለበዳ ከምዝተትሓዙ ዝተገለፀ ኮይኑ፤ ክልተ ሰባት ድማ ሂወቶም ስኢኖም እዮመ።
እቶም ተመራመርቲ ደቡብ ሱዳን ብዚ ለበዳ ተጠቃዒት ክትከውን እትኽእለሉ ምኽንያት እንትገልፁ ድማ፡ ናይታ ሃገር ድኹም ስርዓት ሓለዋ ጥዕና፣ ድኹም ኣተሓሕዛ ብሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት፣ ኣብ ክትትል ንኽክእ ተሓከምቲ ዘለዋ ጉድለት፣ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ኣፈፃፅማ ስርዓተ ቀብሪ ዘይምህላውን ኣብ ዶባት ዝግበር ናይ ሕማም ቁፅፅር ድኹም ምዃን ዝብሉን ካልኦት ጉድለታትን ብምልዓል እታ ሃገር ነዚ ለበዳ ተጋላፂት ክትኸውን ከም እትኽእል ግምቶም ኣቐሚጦም እዮም።
ብዚ መሰረት ድማ እቶም ተመራመርቲ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ዶባት እታ ሃገር ጠንካራ ኽትትል ከገብሩ ፀዊዖም እዮም። እቲ መፅናዕቲ ወሲኹ ድማ ናይዚ ቡንዲብግዮ “Bundibugyo” ዝተብሃለ ዓሌት ኢቮላ ዝፀደቐ ክትባት ዘይብሉ ብሙዃኑ ጎሮባብቲ ሃገራት ጥንቃቐ ክገብራ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ መፅናዕቲ ንኢትዮጵያ እውን ናይ ባዕሉ ፅልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ሓቢሩ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ጋምቤላ ከባቢ 450,000 ካብ ደቡብ ሱዳን ዝተመዛበለለ ሰደተኛታት ከምዝርከቡ ዝፍለጥ እዩ።
እቲ መፅናዕቲ ሩዋንዳን ብሩንዲን ምስ ደቡብ ሱዳን እንትነፃፀር ብዚ ለበዳ ናይ ምጥቃዕ ዕድለን ዝተሓተ ሙዃኑ እዩ ዝገልፅ። ካልእ ኢትዮጵያ እውን ብዚ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ዕድል ኸይህልዋ ዘስግእ ድማ ኣብ ሱዳን ብዘሎ ጎንፂ ካብ ደቡብ ሱዳን ኣስታት 100,000 ስደተኛታት ዕቑባ ንምርካብ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ከምዝኽእሉ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (UNHCR) ግምት ምቕማጡ እዩ።



Leave a Reply