ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ 3ተ ናይ ንግዲ ሳተላይታት ቻይና እገዳ ከምዘንበረት ተሓቢሩ።
ኣሜሪካ ንኢራን ድጋፍ ሂበን እየን ኣብ ልዕሊ ዝበለተን 3 ናይ ንግዲ ሳተላይታት ቻይና እገዳ ከምዘንበረት መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ፀብፂቡ። መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ (Department of the state) ጠቒሱ ከምዝሓበሮ ኣሜሪካ እገዳ ኣንቢራትለን ዘላ 3ቲአን ሳተላይታት ቻይና ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 4ተ ትካላት ዘነፅፀረ ክትትል ከምዝገበረትን፤ ብዚ ድማ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከቡ ማዓስከራት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ንምክያድ ዘኽእላ ናይ ሳተላይት ምስልታት ኣቕሪበን እየን ብዝብል ከምዝኾነ ፀብፂቡ እዩ።
እተን እገዳ ዝተነበረለን ሳተላይታት ዘ-አርዝ ኣይ፣ ሚዛር ቪዥን ከምኡ’ውን ቻንግ ጉዋንግ ዝተብሃላ ናይ ንግዲ ሳተላይታት ቻይና እንትኾና፤ ኣሜሪካ ንእግድ እዘን ሳተላይታት ዘቕረበቶ ምኽንያት ድማ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከቡ ማዓስከራታ መጥቃዕቲ ንክተካይድ ዘኽእላ ናይ ሳተላይት ምስልታት ድጋፍ ገይረን እየን ብዝብል እዩ።
ተነባቢ መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ካብ ሰራዊት ኢራን ረኺበዮ ዝበሎ መረዳእታ ተሞርኪሱ ከምዝፀብፀቦ ድማ ካብተን ኣሜሪካ እገዳ ኣንቢራትለን ዘላ ሳተላይታት ሓንቲ ዝኾነት ሳተላይት Earth Eye ሰራዊት ኢራን ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ መዓስከራት መጥቃዕቲ ዘካይደሎም ሓበሬታታት ትህብ ምንባራ ፀብፂቡ እዩ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ሳተላይት ቻንግ ጉዋንግ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሁቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጦር መርከብ መጥቃዕቲ ከካይዱ ናይ ሳተላይት ምስሊ ድጋፍ ገይራ ምንባራ ፀብፂቡ ምንባሩ መርበብብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ኣዘኻኺሩ እዩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማርኮ ርብዮ ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ድማ “ትካላት ቻይና ንኢራን ንዝገበርኦ ድጋፍ ተሓተትቲ ክኾና ተገይሩ ኣሎ” ዝበሉ ኮይኖም ወሲኾም ድማ ንኢራን ሓዊሱ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ዝተዋፈሩ ሓይልታት ትካላትን ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝወሰድ ሓቢሮም እዮም።
እቲ 4ይ ኣሜሪካ ታርጌት ኣብ ዘንበረቶ እገዳ ዘካተተቶ ትካል ድማ ኣብ ሚኒስተሪ ምክልኻል ኢራን ናይ ሰደድ ክፍሊ እዩ። እዚ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ሚኒስትሪ ኢራን ዝጥርነፍ ተካል ኮይኑ ናብ ወፃኢ ሰደድ ዝግበሩ ወይ ዝሽወጡ ኣቕሑ ዘንቀሳቕስ ክፍሊ እዩ። እዚ ትካል ቅድም ክብል ኣሜሪካን ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን እገዳ ኣንቢሮምሉ ምንባሮም እውን እቲ ፀብፃብ የመላኽት።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሳተላይታት ቻይና ኣመሓላሊፋቶ ዘላ እግድ ድማ ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ መፃኢ ሓሙስ ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያት ፕረዚዳንት ቻይና ሺ ዢን ፒንግ ንምዝታይ ናብ ቤጂንግ ክጓዓዙ መርሃ ግብሪ ተታሒዙሎም ኣብ ዘሎ እዋን እዩ። እዚ ናይ ጉዕዞ መደብ ዶናልድ ትራምፕ ዛጊድ ከምዘይተሰረዘን ኣብቲ ዕለት ናብ ቻይና ክጓዓዙ ትፅቢት እናተገበረሉ ኸሎ እዩ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እዘን ትካላት እገዳ ተንብር ዘላ።
ትራምፕ ኣብ ቻይና ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ድማ ኣብ ዓውድታት ንግዲ ቴክኖሎጂን ከምኡ’ውን ወሽመጥ ሆርሙዝ ንምኽፋት ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ክዝትዩ ትፅቢት ይግበር። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሸቐጣት ቻይና ብርክት ዝበሉ ናይ ቀረፅ ወሰኽ ብምግባር ናብ ፍሕፍሕ ዘምረሓሉ እዋን ርንትኾን ብፍላይ ምስ ምምስራት ጥምረት ብሪክስ ተኣሳሲሩ ን ዶላር ዝትክእ መተዓዳደጊ ገንዘብ እንድሕር ድኣ ዕላዊ ዝገብራ ኮይነን ተወሳኺ ቀረፅ ከምዘንብሩ ትራምፕ ኣፍሊጦም ምንባሮም ዝዝከር እዩ። ቻይና ኣባል እቲ ሩስያ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ህንዲ ኢመራት ዓረብ ኢትዮጵያን ካልኦት ማእኸላይ ቁጠባ ዘለወን ዓድታት ዝሓቖፈ ጥምረት ብሪክስ ምዃና ዝፍለጥ እዩ።
ካብዚ ብዝዘለለ ድማ ትራምፕ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኤብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝቕፅል ዘሎ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕን ምኽፋት መሰመር ንግዲ ወሽመጥ ሆርሙዝን ቀንዲ ኣጀንድኦም ክኸውን ከምዝኽእል ብርክት ዝበሉ ተንትንቲ ፖለቲካ ግምታቶም እናቐመጡ እዮም።



Leave a Reply