ብዘይካ ኣሜሪካ ኩለን ኣባል ሃገራት ቤትምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንኣፍልጦ ሃገርነት ሶማሊላንድ ተቓዊመን።

ምክትል ቀዋሚ ወኪል ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ታሚ ብሩስ ኣብ ፖሊሲ ​​ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ሶማሊላንድ ዝኾነ ለውጢ ከምዘየለ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብግልጺ ኣፍሊጠን።

ኣሜሪካ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ብዝምልከት ኣብ ኒውዮርክ ንዝርከብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ኣምባሳደር ታሚ ብሩስ “ኣብ ፖሊሲ ​​ኣሜሪካ ዝኾነ ለውጢ የለን ብምባል መርገጺ ዋሽንግተን ገሊጻ።

እተን ኣምባሳደር መርገጺ ኣሜሪካ ካብ ምግላፀን ብተወሳኺ ነቲ ኣኼባ ብትሪ ተቓዊሞንኦ። ኣምባሳደር ብሩስ ከምዝገለፅኦ ከምዚ ዓይነት ኣኼባታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣህጉራዊ ብድሆታት ሰላምን ጸጥታን ንምፍታሕ “ንዝግበር ፃዕሪ ትኹረት ዝቕይር እዩ ክብላ እዉን ተዛሪበን።

እተን ኣምባሳደር፡ እቲ ቤት ምኽሪ ንእስራኤል ብዝምልከት “ድርብ መለክዒ” ዳብል ስታንዳርድ ከምዝኽተል ከሲሰን።

“እስራኤል ከም ዝኾነት ልኡላዊት ሃገር ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ናይ ምክያድ መሰል ኣለዋ ክብላ እዉን ወሲኸን ።

“ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ኣባላት እዚ ቤት ምኽሪ ሓዊሱ ሓያሎ ሃገራት፡ ንዘየላ ሃገር ፍልስጤም ኣፍልጦ ዝህብ ናይ ሓደ ወገን ውሳነ እንተሕልፋ ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ቁጥዐኡ ንምግላጽ ዝኾነ ህጹጽ ኣኼባ ኣይጸውዐን” ክብላ ኣምባሳደር ብሩስ ወቒሰን። ስለዚ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ግጉይ ጉዳይ ትኹረት ምግባሩ ንተልእኾኡ ይዕንቅፍ ከምዘሎ ኣስሚረናሉ ።

ኣብቲ ህፁፅ ኣኼባ ዝተረኸበ ተወካሊ እስራኤል ብግድኡ ሃገሩ እስራኤል ምስ ሶማሊላንድ ንነዊሕ ዓመታት ብዘይ ምቁርራፅ ዝቐፀለ ዝምድና ከምዘለዋ ብምግላፅ ካብ 1960 ኣ.ፈ ጀሚረን ንሶማማሊላንድ ናይ ሃገር ኣፍልጦ ካብ ዝሃብኣ 35 ሃገራት ዝተፈለየ ነገር ከምዘይብሉን ፤ ሶማሊላንድ ካብ 1991 ኣ.ፈ ጀሚራ ብመሰረት ስምምዕነት ሞንተቪድዮ (Montevideo Convention) ሃገርነት ንምውናን ዘድልዩ ረቛሕታት ኣማሊኣ እያ ብምባል ቅዋም ሃገሩ ተኸላኺሉ እዩ።

እቲ ወኪል እስራኤል ወሲኹ ከምዝገለፆ ድማ እስራኤል ንሶማሊላንድ ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ምሃባ ዘቖጥዕ ይኹን ዘገርም ነገር የብሉን ብምባል እንታይ ድኣ “ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ክውንነት ሕጋዊ፡ መትከላዊ ኣፍልጦ ምሃብ እዩ ክ ገሊፅዎ እዚ ድማ ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሰማማዕን ምስቲ እዚ ቤት ምኽሪ ክድግፎ ዝዓለመ ክብርታት እውን ዝሰማማዕን” እዩ ክብል ገሊፆዎ ኣሎ።

ካብ ኣሜሪካ ወፃኢ ኩለን ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝኾና ሃገራት እስራኤል ንሶማሊላንድ ዝሃበታ ናይሃገርነት ኣፍልጦ ዝተቓወማ እንትኾን ቀዋሚ ወኪል ሶማልያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣቡበከር ዳሂር ዑስማን ድማ ንስጉምቲ እስራኤል “ናይ ምጥቃዕ ተግባር” ክብል ገሊጽዎ።

ብተወሳኺ እቲ ውሳነ ንሶማልያ ከፋፊሉ ኣብ ሰፊሕ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ዘይምርግጋእ ክፈጥር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

እቲ ልኡኽ ወሲኹ ከምዝገለፆ፡ እስራኤል ኣፍልጦ ዝሃበትሉ ምኽንያት ምስ ፍልስጤማውያን ካብ ጋዛ ናብ ሶማሊላንድ ብሓይሊ ንምስግጋር ዝዓለመ ውጥን ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽእል ስክፍታ ከምዘለዎ ገሊጹ። እዚ ድማ ንተግባራት እስራኤል ዝያዳ ዘተሓሳስብ ከም ዝገብሮ ኣረዲኡ እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading