ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዜጋታት 12 ሃገራት ናብ ኣሜሪካ ጉዕዞ ከይገብሩ ኣጊዶም። ካብተን ብትእዛዝ ትራምፕ እግድ ዝተገበረለን 3 ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ማለት እውን ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ከምተዘርዘራ ተገሊፁ። ካብዚ ብተወሳኺ ሃገራት ሊብያ፣ ቻድ፣ ኮንጎ፣ ኢኳቶሪያል ጊኒ፣ የመን፣ ሀይቲ፣ ኢራን፣ ማይናማርን ኣፍጋኒስታንን እውን ካብተን እግድ ዝተገበረለን ሃገራት ሙዃነን ተሓቢሩ።
እቲ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ጉዕዞ እገዳ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝኾነ ዝተገለፀ ኮይኑ እቲ እግድ ንንግዲ፣ ዑደት፣ ቤተሰብ ንምጥያቕን ንትምህርትን እውን ዘካተተ ከምዝኾነ ዝተሓበረ እንትኾን ካብዘን እግድ ዝተገበረለን ሃገራት ናብ ኣሜሪካ ብዝኾነ ምኽንያት ዝተጉዓዙ ሰባት እንትህልዉ ድማ ኣብ ኤርፖርት ተታሒዞም ክፀንሑ ዝእዝዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ካብእዘን እገዳ ዝተገበረለን ሃገራት ድማ ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ተወሳኺ ጥብቂ ቁፅፅርን ዝተጠናኸረ ክልከላን ክግበር ፕረዚዳንት ትራምፕ መምርሒ ከምዘውረዱ ዝተፈላለያ ዓበይቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለምና እናቃልሓ ይርከባ።
እዚ መምርሒ ካብ ቀፃሊ ሶኒ 2 ሰነ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ተግባራዊ ክግበር ዝተወሰነ እንትኾን ቅድሚ 2 ሰነ 2017 ዓ/ም ቪዛ ዝተውሃቦም ናይዘን 12 ሃገራት ዜጋታት ግን ብዘይምንም ክልከላ ምጓዓዝ ከምዝኽእሉ የረድእ። ፕረዚዳንት ትራምፕ እዚ እገዳ “ብሄራዊ ድሕንነት ኣሜሪካን ህዝቢ ኣሜሪካን ንምሕላውን ብሄራዊ ጥቕሚ ኣሜሪካ ንምኽባርን ስጉምቲ ክወስድ ስለዘለኒ ዝገበርክዎ እዩ” ክብሉ ምግላፆም ተሓቢሩ።



Leave a Reply