Tag: #ኢትዮጵያ
-
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣማኻሪ ሚኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኮይኖም ተሾይሞም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ንክልተ ዓመት ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኖም ንዝመርሑ ነበር ፕረዚዳንት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ 3 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ኣማኻሪ ሚንስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝሸየሙዎ ቤት-ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።
-
ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ንምንዋሕ ዘኽእል ረቂቕ ኣዋጅ ፀዲቑ።

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ዕለት ኣብ ዘካየዶ መበል 22 መደበኛ ኣኼብኡ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ዘናውሕ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ኣፅዲቑ። እቲ ኣዋጅ ክሳብ ሐዚ እናሰርሐ ዝፀንሐ ኣዋጅ ቁፅሪ 359/1995 ዝትክእ ኣዋጅ ቁፅሪ 1373/2017 ኮይኑ ብክልተ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ። እቲ ኣዋጅ ፥ ግዜያዊ ምምሕዳራት ክሳብ ክልተ ግዜ ንሓደ ዓመት…
-
“ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ!!”ህወሓት

ካብ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ! ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኮይንዎ ኣሎ። ብወገን ህወሓትን ትግራይን እቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ንክፍፀም ተሰሪሑ እዩ። ምእንተ ሰላም ክብሃል ትግራይ ክትሽከሞም ዘይግብኣ ግፍዕታት ተሸኪማ ፀኒሓ እያ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍፀሙ ዝግብኦም ብፍላይ ንመሰልን ሃለዋትን ትግራይ ዝምልከቱ ወሰንቲ ትሕዝቶታት እቲ…
-
ሚኒስተር ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ነዳዲ ንመበል ሳላሳይ ግዜ ወሰኽ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ሚኒስተር ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ንሳላሳይ ዙር ወሰኽ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ ሓዱሽ ናይ ነዳዲ ችርቻሮ ዋጋ ንሓደ ሊትሮ ቤንዚን 112.67 ብር ንሓደ ሊትሮ ናፍጣ ድማ 107.93 ብር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ። እዚ ወሰኽ ካብ ትማሊ ሰንበት 14.07.2017 ዓ.ም ምሸት ጀሚሩ ተግባራዊ ዝተገበረ እንትኸውን እዚ ድማ ንመበል ሳልሳይ ግዜ ዝተገበረ…
-
ኢምባስታት ምዕራባውያንን ኣባል ሃጋራት ኣውሮፓ ሕብረትን ኣብ ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ዘለው ምዕባለታትን ይከታተሉዎ ከምዘለው ገሊፆም።

ጉጅለ ኤምባሲታት ምዕራባውያንን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓን ሎሚ ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣብ ትግራይ “እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪን ቀፃሊ ምዕባለታን ” ዝበልዎ ኩነታት ይከታተሉዎ ከምዘለው ገሊፆም። ኣብቲ ሎሚ ዕለት ዘውፅኦ’ኦ መግለፂ ሃገራት ኣሜሪካ፣ ኢንግሊዝ፣ ኖርወይ ፣ጀርመን ፣ጃፓን ፣ኒውዝሊንድ ፣ቤልጀም ፣ቡልጋርያ ፣ቼክ ሪፐብሊክ ፣ዴንማርክ ፣ኣየርላንድ ፣ግሪክ ፣ስፔን ፣ፈረንሳይ ፣ጣልያን ፣ሉክዘምበርግ ፣ሃንጋሪ ፣ኔዘርላንድ ፣ኦስትሪያ ፣ ሮማንያ፣ ፖርቹጋል…
-
ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ተገሊፁ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሶማልያ ክልል ማእኸላይ ሸበሌ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ኣዲስ ስታንዳርድ ፀብፂቡ። ኣዲስ ስታንዳርድ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ሶማልያ ኣብዱልቃድር መሀመድ ጠቒሱ ከምዝፀብፀቦ ፥ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ድፋዓት ኣልሸባብ ዘካየዶ ናይ ሚሳኤል መጥቃዕቲ ምስ ፌደራል መንግስቲ ሶማልያ ብምትሕብባር ከምዝኾነ ተገሊፁ። በቲ መጥቃዕቲ ዝበፅሐ መጠን ሞት ዘይተገለፀ እንትኾን እቶም ሚኒስትሪ ኣብ…
-
ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሚድያ ማእኸል ከም ዝኸፈተት ተገሊፁ።

ሩስያ ኣብ ኣፍሪካ ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ተሳትፎኣ ንምስፋሕ ናይ መጀመርያ ብዓል ብዙሕ ክፋላት ናይ ሚድያ ማእኸል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኸፈተት ተገሊፁ። ዋንነቱ ናይ መንግስቲ ሩስያ ዝኾነ ናይ ዜና ማዕኸን ሚድያ ስፑትኒክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኸፍቶ ሓዱሽ ማእኸሉ ብቋንቋታት ኣማርኛ፣ ኢንግሊዝኛን፥ ብሬድዮ፣ ብማሕበራዊ ሚድያን ብመርበብ ሓበሬታን ሓዊሱ ብካልኦት ዝተፈላለዩ ኣማርፅታት ብዙሓት ትሕዝቶታት ከምዘዳሉ ተሓቢሩ። ብተወሳኺ…
-
ኢትዮጵያን ቱርክን ስምምዕነት ኣንካራ ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ቀፃሊ ብዛዕባ ዝካየድ ናይ ቴክኒክ ድርድር ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ጌድዮን ጢሞቲዎስ ብምክትል ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስትር ቱርኪ ቡርሃንቲን ዱራን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ተገሊፁ። እቶም ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ቱርክን ኣብ ዝርያ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕነት ኣንካራ ከምዝተዛተዩ ተሓቢሩ። ዶ/ር ጌድዮን ምስ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ስምምዕነት ኣንካራ ተግባራዊ ንክግበር ኣብ…
-
ፅልዋታት ምቁራፅ ሓገዝ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ዜጋታትን ኣብ ቅልውላው ዘላ ኢትዮጵያን።

ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ስልጣኖም ካብ ዝተረከቡሉ ዕለት ጀሚሩ ብዙሓት ውሳነታት እናመሓላለፉ ይርከቡ ካብኣቶም ሓደ ኣብ እዋን ጎስጓስ መረፅኦም ጀሚሮም ብተደጋጋሚ ቃል ካብ ዝኣተውሎም ዛዕባታት ሓደ ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ምብራር እዩ። እዚ ድማ ብተግባር ሕጋዊ ሰነድ ወይ እውን ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ካብታ ሃገር ናይ ምውፃእ ሰራሕቲ እናተኻየደ ይርከብ። በዚ ድማ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም…


