Tag: #ሩስያ
-
ሩስያ ብቕትለት ላዕለዋይ ወተሃድራዊ ኣዛዚኣ ዝጠርጠረቶ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለት ኣፍሊጣ።

ሩስያ ብቕትለት ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ጀነራል ያርስላቭ ሞስካሊክ ዝተጠርጠረቶ ወልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅራ ከምዘውዓለት ኣፍሊጣ። ሩስያ ብጥርጣረ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅራ ዘውዓለቶ ውልቀ ሰብ ኢግናት ኩዚን ዝተብሃለ እንትኾን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንሞት እቲ ጀነራል ምኽንያት ዝኾነ ኣብ መኪና ዝተፀመደ ፈንጂ ብዝተትሓሓዘ ከምዝኾነ ኮሚቴ ምርመራ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ሓቢሩ። ኮሚቴ ምርመራ ሩስያ ኣብ ቀትለት ላዕለዋይ…
-
ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ጠጠው ምባል ኲናት ዩክሬይን ንምዝታይ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከምዝራኸቡ ተገሊፁ።

ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኲናት ዩክረይን ጠጠው ንምባል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መሰረት ብምግባር ምስ ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፅባሕ ከምዝዛተዩ ተገሊፁ። እዚ ዝተገለፀ ልኡኻት ኣሜሪካ ምስ ፕረዚዳንት ፑቲን ውፅኢታዊ ምይይጥ ምክያዶም ስዒቡ እዩ። ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከም ዝገለፅዎ “እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ንምኩር ኣለና ክሳኻዕን ዘይክሳኻዕን ይኽእል እዩ፤ ግን ዝሰፍሐ ናይ ምስኻዕ ዕደል…
-
ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሚድያ ማእኸል ከም ዝኸፈተት ተገሊፁ።

ሩስያ ኣብ ኣፍሪካ ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ተሳትፎኣ ንምስፋሕ ናይ መጀመርያ ብዓል ብዙሕ ክፋላት ናይ ሚድያ ማእኸል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኸፈተት ተገሊፁ። ዋንነቱ ናይ መንግስቲ ሩስያ ዝኾነ ናይ ዜና ማዕኸን ሚድያ ስፑትኒክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኸፍቶ ሓዱሽ ማእኸሉ ብቋንቋታት ኣማርኛ፣ ኢንግሊዝኛን፥ ብሬድዮ፣ ብማሕበራዊ ሚድያን ብመርበብ ሓበሬታን ሓዊሱ ብካልኦት ዝተፈላለዩ ኣማርፅታት ብዙሓት ትሕዝቶታት ከምዘዳሉ ተሓቢሩ። ብተወሳኺ…

