ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሚድያ ማእኸል ከም ዝኸፈተት ተገሊፁ።

ሩስያ ኣብ ኣፍሪካ ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ተሳትፎኣ ንምስፋሕ ናይ መጀመርያ ብዓል ብዙሕ ክፋላት ናይ ሚድያ ማእኸል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኸፈተት ተገሊፁ። ዋንነቱ ናይ መንግስቲ ሩስያ ዝኾነ ናይ ዜና ማዕኸን ሚድያ ስፑትኒክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኸፍቶ ሓዱሽ ማእኸሉ ብቋንቋታት ኣማርኛ፣ ኢንግሊዝኛን፥ ብሬድዮ፣ ብማሕበራዊ ሚድያን ብመርበብ ሓበሬታን ሓዊሱ ብካልኦት ዝተፈላለዩ ኣማርፅታት ብዙሓት ትሕዝቶታት ከምዘዳሉ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ማዕኸን ሚድያ ስፑትኒክ ኣብ ዋና ቤትፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ሓዊሱ ናይ ጋዜጠኛታት መረብ ንምምስራት ከምዝተለመ ዝተገለፀ እንትኾን፥ ብርክት ዝበሉ ናይ ኣምሓርኛ ቋንቋ ፕረጀክትታት ኣብ ከይዲ ከምዘለው ተገሊፁ እዩ። ኣብ ናይቲ ሚድያ ማእኸል ዕላዊ መግበሪ ፕሮግራም ተረኺበን መልአኽቲ ዘመሓላለፉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ሩስያ ዝኾና ቫለንቲና ማትቬንኮ ብወገነን እቲ ናይ ሚድያ ማእኸል ዝለዓለ ስትራቴጂካዊ ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፀን። “እዚ ኣብ መንጎ ሩስያ፣ ኢትዮጵያን ኣህጉር ኣፍሪካን ዝህሉ ርክብ ንምምዕባል ዘኽእል ዓብዪ ስጉምቲ እዩ” ክብላ ወሲኸን ከም ዝገለፃ ኣዲስ ስታንዳርድ ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading