ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኲናት ዩክረይን ጠጠው ንምባል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መሰረት ብምግባር ምስ ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፅባሕ ከምዝዛተዩ ተገሊፁ። እዚ ዝተገለፀ ልኡኻት ኣሜሪካ ምስ ፕረዚዳንት ፑቲን ውፅኢታዊ ምይይጥ ምክያዶም ስዒቡ እዩ። ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከም ዝገለፅዎ “እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ንምኩር ኣለና ክሳኻዕን ዘይክሳኻዕን ይኽእል እዩ፤ ግን ዝሰፍሐ ናይ ምስኻዕ ዕደል እዩ ዝረኣየኒ” ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዩክረይን ተቐባልነት ዝረኸበ ን30 መዓልቲ ተኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ብወገን ሩስያ እውን ተቕባልነት ንኽረክብ ትራምፕ ይሰርሑ ከምዘለዉ እናተገለፀ ይርከብ። ፕረዚዳንት ፑቲን ብወገኖም ኣብቲ ስምምዕነት ክመሓየሹ ዝግብኦም ነጥቢታት ከምዘለዉን እቲ ኲናት ንክልዓል ዋና ምኽንያት ዝብልዎም ናይ ሩስያ ድሕንነት ሕቶታት ኣብቲ ግዝያዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ክካተቱ ሕቶ ከምዘቕረቡን ፥ ካብዚ ብተወሳኺ ዩክረይን ብቐፃልነት ናይ ኔቶ ኣባል ሃገር ከምዘይትኾንን ኔቶ ናብ ዶባት ሩስያ ዝገብሮ ምስፍሕፋሕ ከቋርፅን ናይ ድሕንነት ውሕሰና ክህባን ሓቲታ።
ብተመሳሳሊ ሚኒስቲር ጉዳያት ወፃኢ ኣሚሪካ ማርኮ ሩብዮ ከምዝገልፅዎ ከይዲ እቲ ድርድር ብዙሕ ፃዕሪ ከምዝሓትት ብምግላፅ ክልቲአን ሃገራት ዘልዕልኦም ኣፈላልያት ንምፅባብ ቅድምያ ቶኽሲ ጠጠው ክበል ከምዘለዎ ሓቢሮም። እቲ ኲናት ኣብ ቀረባ እዋን ጠጠው ክብል እምነት ከምዝገበሩ ዝገለፁ ፕረዚደንት ቭላድሚር ዘለነስኪ ድማ ልኣላውነት ዩክረይን ንድርድር ከምዘይቐርብን ሩስያ ኣብ እዋን እቲ ኲናትን ቅድሚ እቲ ኲናትን ካብ ዝተቖፃፀረቶም ግዛታት ዩክረይን ክትለቅቕ ከምዘለዋ ኣተሓሳሲቦም።
ብተወሳኺ ኢንግሊዝን ካልኦት ሃገራት ኣውሮፓን ኣንድሕር ሩስያን ዩክረይንን ብግዝያውነት ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምሚዕነት ተፈራሪመን እቲ ስምምዕነት ንከይጣሓስ ንምክትታል ዓቃቢ ሰላም ሓይሊ ንምልኣኽ ኣብምድላው ከምዝረከባ እናተግለፀ ይርከብ። ትራምፕ ኣብ ናይ ወፃኢ ጉዳይ ፖሊሲኦም ቅድምያ ካብዝሃብዎም ጉዳያት ሓደ ዝኾነ ኲናት ዩክረይን ጠጠው ንምባል ፅባሕ ምስ ፑቲን ክዛተዩ ትፅቢት ይግበር።
ፍልፍል፡ ሲቢሲ ኒውስን ቢቢሲን



Leave a Reply