ሩስያ ብቕትለት ላዕለዋይ ወተሃድራዊ ኣዛዚኣ ዝጠርጠረቶ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለት ኣፍሊጣ።

ሩስያ ብቕትለት ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ጀነራል ያርስላቭ ሞስካሊክ ዝተጠርጠረቶ ወልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅራ ከምዘውዓለት ኣፍሊጣ። ሩስያ ብጥርጣረ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅራ ዘውዓለቶ ውልቀ ሰብ ኢግናት ኩዚን ዝተብሃለ እንትኾን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንሞት እቲ ጀነራል ምኽንያት ዝኾነ ኣብ መኪና ዝተፀመደ ፈንጂ ብዝተትሓሓዘ ከምዝኾነ ኮሚቴ ምርመራ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ሓቢሩ።

ኮሚቴ ምርመራ ሩስያ ኣብ ቀትለት ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሩስያ ዝተሳተፉ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ምርመራ እናካየደ ከምዝርከብ ዝገለፀ እንትኾን ነቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዘውዓሎ ተጠርጣሪ ብ ሽብር ወንጀል ክሲ ከምዝምስርተሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ተጠርጣሪ ወልቀ ሰብ ካብ መንግስቲ ዩክረይን ገንዘብ ብምቕባል ኣብ ልዕሊ ጀነራል ያርስላቭ ሞስካሊክ ቅትለት ፈፂሙ እዩ ብምባል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ከምዘውዓሎ ኮሚቴ ምርመራ ሩስያ ወሲኹ ሓቢሩ። እቲ ኮሚቴ ክሳብ ሐዚ ብዝገበሮ ምርመራ ተጠርጣሪ ካብ ኣባላት ፀጥታ ዩክረይን ገንዘብ ከም ዝተቐበለ ከምዝኣመነ ሓቢሩ።

ጄኔራል ያሮስላቭ ሞስካሊክ ሓላፊ ዲፓርትመንት ኦፖረሺን ሰራዊት ሩስያ ዝነበረ እንትኾን ብዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ሞስኮ ውፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ጥቓ እንትንቀሳቐሱ ኣብ መኪና ብዝተፃወደ ፈንጂ ከምዝተቐተሉ ይዝከር።

ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሩስያ ቅትለት ኣንትፍፀም እዚ ንኻልኣይ ግዜ እንትኾን ፤ ሩስያ ብተመስሳሊ መንገዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ መኪና ብዝተፀመደ ፈንጂ ዝተቐተለ ሌተናል ጀነራል ኢጎር ኪሪሎቭ እውን ኢድ ዩክረይን ከምዝነበሮ ምግላፃ ይዝከር።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading