Tag: #ቤትምኽሪ ኢትዮጵያ
-
ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ንምንዋሕ ዘኽእል ረቂቕ ኣዋጅ ፀዲቑ።

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ዕለት ኣብ ዘካየዶ መበል 22 መደበኛ ኣኼብኡ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ዘናውሕ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ኣፅዲቑ። እቲ ኣዋጅ ክሳብ ሐዚ እናሰርሐ ዝፀንሐ ኣዋጅ ቁፅሪ 359/1995 ዝትክእ ኣዋጅ ቁፅሪ 1373/2017 ኮይኑ ብክልተ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ። እቲ ኣዋጅ ፥ ግዜያዊ ምምሕዳራት ክሳብ ክልተ ግዜ ንሓደ ዓመት…
-
ፓርላማ ኢትዮጵያ ፍልፍሉ ዘይተፈለጠ ሃፍቲ መንግስቲ ክወርስ ዘኽእል ኣዋጅ ኣፅዲቑ።

ሎሚ ዕለት መበል 14 መደበኛ ኣኼብኡ ዘካየደ ቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ መንግስቲ ፍልፍሉ ብዘይፍለጥ ኣገባብ ዝተፈጠረ ሃፍቲ ከምልስ ዘኽእሎ ኣዋጅ ኣፅዲቑ። ብሰፊሑ ኣዘራረቢ ኮይኑ ዝፀንሐ እዚ ኣዋጅ ሰባት ብወንጀልን ክራይኣካብነትን ብኻልኦት ፍልፍሎም ዘይፍለጥ ኣገባባትን ዝተፈጠረ ንብረት መንግስቲ ከምልስ ዝኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ። ብተወሳኺ እቲ ኣዋጅ ዓሰርተ ዓመት ንድሕሪት ብምኻድ ንብረት መንግስትን ህዝብን ዘምልስን ናይ ሕጊ-ተሓታትነት ዘስዕቡ…

