Tag: ETHIOPIA
-
ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ መጣየሺ ደንቢ ሓይሊ ኒውክለር ኢትዮጵያ ብምፅዳቕ ን ኣይተ ሳንዶካ ደበበ ኮምሽነር ገይሩ ከም ዝሾመ ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ መጣየሺ ደንቢ ሓይሊ ኒውክለር ኢትዮጵያ ብምፅዳቕ ን ኣይተ ሳንዶካን ደበበ ኮምሽነር ገይሩ ከም ዝሾመ ኣፍሊጡ። ቤትምኽሪ ሚኒስራት ኢትዮጵያ ሎሚ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ መበል 49 መደበኛ ኣኼብኡ ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክለር ኢትዮጵያ ንምጥያሽ ዝወፅአ ረቒቕ ኣፅዲቑ። ነዚ ስዒቡ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ሎሚ ዕለት ጀሚሩ…
-
ካብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ።

ናይ ሽርሕን ጠቐነን ፖለቲካ ጠጠው ክብል ንፅውዕ !! ሰራዊት ትግራይን መሪሕነቱን ስምምዕነት ምቁራፅ ተፃብኦ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ጀሚሩ ፣ እቲ ስምምዕነት ብተፈራረምቲ ወገናት ከይተሸራረፈ ክትግበር ካብ ዝነበሮም ሰናይ ድሌትን እምነትን ተበጊሶም ፤ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ሽቱኡ ወቒዑ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ኾይኑ ዝግፋዕን ዝሳቐን ዘሎ ህዝብና ነፃ ክወፅእ ፤ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣትና ናብ ቦትኡ ክምለስ ፤ ከምኡ…
-
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ኣብ ኣዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለፂ።

ዘይዛሪ ፀለመ ንምንታይ?!ሰራዊት ትግራይ ምእንቲ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቡ፣ ምእንቲ ብሄራዊ ረብሕኡን ክብሪ ዓዱን ክብል ክባር ናይ ሂወት ዋጋ እናኸፈለ ዝመፀን ዘሎን ፣ ህዝባዊ ባህሪኡ ንዋጋ ዕዳጋ ዘየቕርብ ፤ ዋልታ ህዝቡ ኮይኑ ኣብ ዘይሕለል መኸተ ዝርከብ ህዝባዊ ሓይሊ እዩ ። ይኹንምበር ብዘይፍላጥ ዝሕወስ የለን እኳ እንተዘይተባህለ፤ እቲ ዝበዝሕ ኮነ ተባሂሉ ናይ ፀጥታ ሓይልናን ኣመራርሕኡን ካብ ህዝቢ…
-
ካብ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ።

ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ሓቀኛ ሰላም’ዩ!! ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ዘለዎ ግዝያዊ ኩነታት ከምዘሎ ኮይኑ፤ ኣብ መዋእል ታሪኽ ዓለም ዘኹርዕን ነዊሕ ዘበን ዘቑፀረ ስልጣነ ዘለዎን ንዝኾነ ይኹን መግዛእቲ ርኡሱ ኣድኒኑ ዘይቕበል ታሪኽ ዝወነነ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኹ ንሉኡላውነቱን መንነቱን ዝፃብኡ ወረርትን ጨቆንቲ ገዛእትን ተቓሊሱ ዝመከተ ህዝቢ ምዃኑ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ናይ ቀረባ ታሪኽ ኲናት…
-
ፓርላማ ኢትዮጵያ ፍልፍሉ ዘይተፈለጠ ሃፍቲ መንግስቲ ክወርስ ዘኽእል ኣዋጅ ኣፅዲቑ።

ሎሚ ዕለት መበል 14 መደበኛ ኣኼብኡ ዘካየደ ቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ መንግስቲ ፍልፍሉ ብዘይፍለጥ ኣገባብ ዝተፈጠረ ሃፍቲ ከምልስ ዘኽእሎ ኣዋጅ ኣፅዲቑ። ብሰፊሑ ኣዘራረቢ ኮይኑ ዝፀንሐ እዚ ኣዋጅ ሰባት ብወንጀልን ክራይኣካብነትን ብኻልኦት ፍልፍሎም ዘይፍለጥ ኣገባባትን ዝተፈጠረ ንብረት መንግስቲ ከምልስ ዝኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ። ብተወሳኺ እቲ ኣዋጅ ዓሰርተ ዓመት ንድሕሪት ብምኻድ ንብረት መንግስትን ህዝብን ዘምልስን ናይ ሕጊ-ተሓታትነት ዘስዕቡ…
-
ኳታር ናብ ኣውሮፓ ዝትልእኾ ነዳዲ ክተቋርፅ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ ።

ኳታር ናብ ኣውሮፓ ዝትልእኾ ነዳዲ ክተቋርፅ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ ። ኳታር ናብ ኣውሮፓ ብበዝሒ ነዳዲ ካብዝልእኻ ሃገራት ሓንቲ እያ ። ሕብረት ኣውሮፓ ቅድሚ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ምስ ሰብኣዊ መሰላትን ከባብያዊ ሓለዋን ዝተትሓሓዘ ሓዱሽ ሕጊ ኣውፂኡ እዩ። እዚ ሕጊ ብፍላይ መሰል ሰራሕተኛታት ዘየኽብሩን ከባብያዊ ፅሬት ብዘይሕሉ መንገዲ ዝተመረቱ ምህርትታት ናብ ኣውሮፓ ከይኣትው ዝኽልክል እዩ። ብሃፍቲ ነዳዲ እትፍለጥ ኳታር…
-
መግለፂ ቅዋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት

ሓዳጋ ብሄራዊ ክሕደት፣ ምልክን ብተናን ዝምከት ብመሪሕነት ህወሓት እዩ!!መግለፂ ቅዋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብና ህወሓት መግለፂ ቅዋም
-
ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ብማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝተውሃበ መግለፂ።

ከም ዝፍለጥ ህወሓት ኣብ መፈለምታ ወርሒ ነሓሰ 2016 ዓ.ም ኣብ ዘሳለጦ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤኡ ንህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ገምጊሙ ፤ ብሓፈሻ ካብ ፀገም ንምውፃእ ዘኽእሉ ኣንፈታት ዘነፀረ እንትኸውን፤ ብፍላይ ተልእኾታት ግዚያዊ ምምሕዳር ብስርዓት መሪሑ ብሄራዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ከረጋግፅ ዝኽእል ኣመራርሓ ክህሉ ዘኽእል ምትዕርራይ ንኽግበር ወሲኑ ምንባሩ ይዝከር። ካብ’ዚ ብምብጋስ ንህወሓት ወኪሎም ኣብ ግዚያዊ…
-
ካብ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ።

ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ውድብና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እቲ ካብ ውድብና ዝወፀ ፀረ ህዝቢ ጉጅለ ንዝሓዞ ሓላፍነት ተጠቂሙ ብፍሉይ ንህወሓት፣ ሰራዊት ትግራይን ኣብያተ ምኸርን ብሓፈሻ ድማ ፖለቲካውን ብሄራውን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምብታን ቀንዲ ዋኒኑ ጌሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምርግጋፅ ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሓዊሱ ኣብቲ ጉጅለ ዘለዉ ውልቀሰባት ብሽም ህወሓት ካብ ዝሓዝዎ…

