ናይ ሽርሕን ጠቐነን ፖለቲካ ጠጠው ክብል ንፅውዕ !!
ሰራዊት ትግራይን መሪሕነቱን ስምምዕነት ምቁራፅ ተፃብኦ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ጀሚሩ ፣ እቲ ስምምዕነት ብተፈራረምቲ ወገናት ከይተሸራረፈ ክትግበር ካብ ዝነበሮም ሰናይ ድሌትን እምነትን ተበጊሶም ፤ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ሽቱኡ ወቒዑ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ኾይኑ ዝግፋዕን ዝሳቐን ዘሎ ህዝብና ነፃ ክወፅእ ፤ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣትና ናብ ቦትኡ ክምለስ ፤ ከምኡ ‘ውን ዝተፈናቐለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክኣቱ ዘይተሓለለ ፃዕርን ትዕግስትን ክገብሩ ፀኒሖምን ኣለዉን ።
ይኹን ‘ምበር እቲ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ተግባራዊ ከይኾን ዓፅዩ ፤ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ዘናውሕ ዘሎ ኣካል ተለኣኣኽቱ ኣሰሊፉ ተመሊሱ ዓይኑ ብጨው ሓፂቡ ኣብ ልዕሌና ዓቕልኻ ዘወድእ ፤ ተኸታታሊ ናይ ፕሮፓጋንዳ መጥቃዕቲ ምፍናው ካብ ዝጅምር ነዊሕ ግዜ ከምዘቑፀረ መላእ ህዝብና ዝከታተሎ ዘሎ ሓቂ እዩ ።
ንሕና ግን ክሳብ ሕጂ ልቢ ኣዕቢና ፤ ሰሚዕና ከምዘይ ሰማዕና ስኽ ንብል ዘለና ፤ ከምቲ ንሶም ዝገብርዎ ዘለዉ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝኸልከሎ ኣንፈት ፕሮፖጋንዳ ከይንኽተል ክንብል ፤ከምኡ’ ውን ነቲ ኹነታት ንዘይ ምብላሕን ምግዳድን ኢልና ‘ምበር ፤ ዝዝረቡ ሓቅታት ስለ ዝሳኣንና ኣይኮነን።
ንህዝቢ ትግራይ ናይ ደገ ሓይሊ ዓዲሙ ዘፅነተን ንብረትን ሃፍትን ህዝቢ ትግራይ ዘውረረ ባዕሉ እንዳሃለወ ፤ ተገልቢጡ ምስቲ ህዝቢ ከፅንት ዝከኣሎ ኩሉ ዝገበረን ንብረት ህዝቢ ትግራይ ዝወረረን ሓይሊ ይታሓባበሩን ይመኽሩን ኣለዉ ኢሉ ተገልቢጡ ንዓና ክኸስስ እቲ ሞራል ካበይ ኣምፀኦ ?
ንሕና ብስምምዕነት ፕሪቶርያ መሰረት ካብ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ወፃእ ዝኾኑ ሓይልታት ኩሎም ካብ መሬትና ይውፅኡ እንትንብል ፤ ሓንሻብ ኮሚቴ ኣዋቒርና ክነፃርዮ ኢና ፤ ካሊእ መዓልቲ ድማ ብውዕል ኣልጀርስ መሰረት ኣብ መሬቶም እዮም ዘለዉ እንዳበለ ንዓኣቶም ጠበቓ ካብ ምዃንን ካብ ምክልኻልን ወፃእ ሉኣላዊ መሬት ኢትዮጵያ ይከበር ኢሉኳ ሓንቲ መስመር ተዛሪቡ ዘይፈልጥ ሓይሊ ፤ ሕጂ ተመሊሱ ንዓና ምስኡ ይሻረዅ ኣለዉ እንዳበለ ክጥቅነና ዝገብሮ ዘሎ ፃዕርታት ምስቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ዝጣዓዓም ኣይኮነን ።
ሐዚ`ውን ደጋጊምና ንህዝብና እነሕልፎ መልእኽቲ ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሚስጥራዊ ይኹን ቅሉዕ ርክብ ዝባሃል ከም ዘየለን ፤ መሰረት ዘይብሉ ፃዕዳ ሓሶት ምዃኑን እናገለፅና ኩሎም ተፈራረምቲ ወገናት በቲ ተረኺቡ ዘሎ ውሱን ተስፋ ፤ ግን ድማ መሊኡ ዘይተተግበረ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ክግዝኡን ናብ ተግባር ክሰጋገሩን እንዳሓተትና፤ ስትራተጂካዊ ሕርያ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊቱን ምስ ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያን ጎረባብትናን ሰላምን ሰላምን ጥራሕ ሙዃኑ እናገለፅና፤ ህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ድማ ንተግባራውነት እቲ ስምምዕ ግቡእ ድጋፍ ንኽገብሩ ንፅውዕ!!
- ሓቅታት እንዳገልበጥካ ምዝራብ የብቅዕ!!
- ናይ ሽርሕን ፀለመን ፖለቲካ ደው ይበል!!
- ሰላም ዝፀንዕ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ከይተሸራረፈ እንትትግበር ጥራሕ እዩ!!
ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና !! ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ



Leave a Reply