Tag: #ስምምዕነት ፕሪቶርያ
-
“ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጥሕስ ፕሮፖጋንዳ ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ይበል!” ሰሙናዊ መልአኽቲ ህወሓት።

ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዓንቀፅ ሰለስተ ንኡስ ቁፅሪ ሰለሰተ፤ ተፈራረምቲ እቲ ስምምዕ ዝኾኑ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካሊእ ካብ ኩሉ መልክዕ ናይ ፅልኢን ቅርሕንትን ፕሮፖጋንዳ ክቑጠቡ ከምዝግባእ ይድንግግ። እንተኾነ ግና መንግስቲ ኢትየጵያ ነቲ ድንጋገ ብምጥሓስ ብሰበ ስልጣኑ ኮነ ናይ ሚድያ ሰራዊቱ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፣ ፖለቲካዊ ውዳበታቱን ትካላቱን ሰፊሕ ወፍሪ ፕሮፖጋንዳ…
-
ካብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ።

ናይ ሽርሕን ጠቐነን ፖለቲካ ጠጠው ክብል ንፅውዕ !! ሰራዊት ትግራይን መሪሕነቱን ስምምዕነት ምቁራፅ ተፃብኦ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ጀሚሩ ፣ እቲ ስምምዕነት ብተፈራረምቲ ወገናት ከይተሸራረፈ ክትግበር ካብ ዝነበሮም ሰናይ ድሌትን እምነትን ተበጊሶም ፤ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ሽቱኡ ወቒዑ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ኾይኑ ዝግፋዕን ዝሳቐን ዘሎ ህዝብና ነፃ ክወፅእ ፤ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣትና ናብ ቦትኡ ክምለስ ፤ ከምኡ…

