“ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጥሕስ ፕሮፖጋንዳ ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ይበል!” ሰሙናዊ መልአኽቲ ህወሓት።

ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዓንቀፅ ሰለስተ ንኡስ ቁፅሪ ሰለሰተ፤ ተፈራረምቲ እቲ ስምምዕ ዝኾኑ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካሊእ ካብ ኩሉ መልክዕ ናይ ፅልኢን ቅርሕንትን ፕሮፖጋንዳ ክቑጠቡ ከምዝግባእ ይድንግግ። እንተኾነ ግና መንግስቲ ኢትየጵያ ነቲ ድንጋገ ብምጥሓስ ብሰበ ስልጣኑ ኮነ ናይ ሚድያ ሰራዊቱ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፣ ፖለቲካዊ ውዳበታቱን ትካላቱን ሰፊሕ ወፍሪ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምክያድ ይርከብ፡፡ እዚ ወፍሪ ፕሮፓጋንዳ ምስቲ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊድ ዘይተፈፀመ ስምምዕ ተኣሳሲሩ ኣብቲ ደላዪ ሰላም ዝኾነ ህዝብናን ማሕበረሰብ ዓለምን ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምትግባር ነቲ ብጥይት ወረርቲ፣ ሕማምን ጥሜትን ዝሃልቕ ዘሎ ህዝብና ዘድሕን ተግባራዊ ስጉምቲ ምውሳድ፤ ሓደሽቲ ሰበኽቲ ፅልእን ቅርሕንትን እናታረየ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ትካላቱን ወፍሪ ኣብ ምክያድ ተፀሚዱ ይርከብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንህዝቡን ውድቡን ብምኽሓድ ፀረ ብሄራዊ ረብሓን ህልውናን ትግራይ ዝተሰለፈን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣማኻሪ ሚኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ንቀዳማይ ሚኒስተር ጌሩ ዝሸሞን ጌታቸው ረዳ ተጠቒሙ ኣብ ህዝቢን ትካላትን ትግራይ ዝነዝሖ ዘሎ ሓሶትን ፀለመን መቀፀልታ እዚ ወፍሪ እዩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይ ብዘይ መሪሕ ውድብን ዓቕምታት መኸተን ኣትሪፍካ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ሰናይ ድሌቱ ጥራሕ ክንጥልጠልን ክፈርስን ብኣውርኡ ድማ ዛጊድ ዝቕፅል ዘሎ ጀኖሳይድ ህዝቢ ትግራይ ከየብቅዕ ንተገለባባጣይ ባህሪ፣ ሓሶትን ክሕደትን ጌታቸው ረዳ ተበለፁ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ኣብ መንጎ ተስማዕማዕቲ ኣካላት ክህሉ ንዝግባእ ምትእምማን ዝሽርሽር ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

ህወሓት ኮነ ህዝቢ ትግራይ ሕዚ እውን ኣብ ሰላም ካብ ዘለዎም ፅኑዕ ቅዋም ነዞም ብሰብ መዝን ካድረታትን ብልፅግና ከምኡ እውን ብትካላትን ሚድያታትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘለው ወፍርታት ብዓቕሊን ትዕግስትን ተፀሚሞም ንትግበራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ምፅዋዕ ይርከቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ካብዚ ዘካይዶ ዘሎ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፃባእ ወፍሪ ተቖጢቡ ንዝኣተዎ ውዕል ተገዛኢ ክኾንን ንተግባራውነቱ ክሰርሕን ይግባእ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading