ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ መጣየሺ ደንቢ ሓይሊ ኒውክለር ኢትዮጵያ ብምፅዳቕ ን ኣይተ ሳንዶካ ደበበ ኮምሽነር ገይሩ ከም ዝሾመ ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ መጣየሺ ደንቢ ሓይሊ ኒውክለር ኢትዮጵያ ብምፅዳቕ ን ኣይተ ሳንዶካን ደበበ ኮምሽነር ገይሩ ከም ዝሾመ ኣፍሊጡ።

ቤትምኽሪ ሚኒስራት ኢትዮጵያ ሎሚ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ መበል 49 መደበኛ ኣኼብኡ ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክለር ኢትዮጵያ ንምጥያሽ ዝወፅአ ረቒቕ ኣፅዲቑ። ነዚ ስዒቡ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ሎሚ ዕለት ጀሚሩ ንኣይተ ሳንዶካ ደበበ ኮምሽን ኮምሽነር ሓይሊ ኒውክለር ኢትዮጵያ ገይሮም ከምዝሸሙዎ ቤትፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዚ ሓዱሽ ረቒቕ ዝተዳለወሉ ምኽንያት ድማ ናይታ ሃገር ቴክኖሎጂ ኒውክለር ንሰላማዊ መንገዲ ምስ ዓለም ለኻዊ መምርሕታት ብዝስማዕማዕ ኣገባብ ንምምራሕን ንምትሕብባርን ዝዓለመ ምዃኑ ተመላኺቱ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ኮምሽን ብተበፃሕነት ሓይሊ መብራህቲ፣ ኣብ ልምዓት ኢንዱስትሪ ፣ኣብ ውሕስና ምግቢ ፣ኣብ ኣገልግሎት ጥዕናን ኣብ ሳይነስን ምርምርን ዓውድታትን ንዝግበሩ ፃዕርታት ናይ ምምራሕን ምትሕብባርን ሓላፍነት ከምዘለዎ ተሓቢሩ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መሰከረም ኢትዮጵያ ምስ ሩስያ ኣብ ዙርያ ህነፀት ፕረጀክት መፍረዪ ሓይሊ ኒውክለር ስምምዕነት ከምዝተፈራረሙ ዝዝከር እንትኾን እዚ ስምምዕነት ኣካል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ሞስኮ ኣብ ኣብ ዝተጉዓዝሉ እዋን ዝተዛተዩሎም ነጥብታት ከምዝኾነ እናተገለፀ ይርከብ።


እዚ ህንፀት ሓይሊ ነውክለር ኢትዮጵያ ን ክልቲአን ዓበይቲ ክልልላት ኢትዮጵያ ማለት እውን ኣብ ኦሮምያ ምስ ሓይልታት ኦነግ ኣብ ኣምሓራ ክልል ምስ ሓይልታት ፋኖ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሕድሕድ ሓዊሱ ብርክተ ዝበሉ ከባብታት ካብ ቁፅፅር መንግስቲ ወፃእ ኣብ ዘለውሉ ፤ ከምኡ እውን ብስምምዕነት ፕሪቶርያ ጠጠው ዝበለ ኵናት ትግራይ ዛጊድ ቀንዲ ነጥብታት እቲ ስምምዕነት ተግባራዊ ብዘይሙዃኑ ካልእ ዕልባት ዘይረኸበ ኩነታት ኣብ ዘለሉ እዋን ምስ እቲ ኣብ እዋን ፅንተታዊ ኵናት ትግራይ መፃምድቱ ዝነበረ መንግስቲ ኤርትራ ኣፍደገ ባሕሪ ይግበአኒ እዩ ብዝብል መበገሲ ኣብ ከቢድ ናይ ቃላት ኵናት ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading