Tag: ETHIOPIA
-
ብሰንኪ ነታጒ ሂወት ሰለስተ ሰባት ጠፊኡ።

ሎሚ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያ ስምረት ኣብ ገዛ ዉሽጢ ብዝተፈንጀረ ነታጒ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃን ዝርከቦም ሂወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ ። እቶም ግዳያት ዝወዳደቑ ተተኮስቲ ናብ ገዝኦም ሒዞም ብምኻድ ክቃፀል ብምግባር ኣብ ገዝኦም ዉሽጢ ብምፍንጃሩ ሂወቶም ክስእኑ ዝኸኣሉን ኣባላት ሓደ ስድራ ከምዝኾኑን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ፀጥታ ምምሕዳር ወረዳ…
-
ኤለን መስክ መንግስት ብዘይ ኣግባብ ዘውፅኦ ክልተ ትሪልዮን ዶላር ምትራፍ ከምዝኽእል ገሊፁ ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ባይደን ምምሕዳር ልዕሊ 6ተ ትሪልዮን ዶላር ከም ዘባኸነ ተገሊፁ። ኣሜሪካ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልትታት ፕሬዚደንታዊ መረፃ ክተካይድ እያ እዚ መረፃ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ዝለዓለ ተፅዕኖ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ፕሬዚደንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ሕፁያት ናይ ምረፁኒ ቅሰቀሶኦም እናካየዱ ይርከቡ። ደጋፊ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝኾኑ ዝኣወጁ ቢልዮነር ኤለን መስክ ገንዘብ ኣሜሪካውያን ብዘይኣግባብ ይባኽን ኣሎ ክብል ገሊጹ። ኣብ…
-
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ትማሊ ምሸት ብኣሰና ቴሌቭዥኝ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ህወሓትን ጀነራላትን ይእሰሩ ኣለዉ ብዝብል ዘውፅኦ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ምዃኑ ኣፍሊጡ ።

ቢሮሰላምን ፀጥታን ትግራይ ብቴሌቪዥን ኣሰና ብፍላጥ ካብ ለይቲ ጀሚሩ “ሰበር ዜና”ብዝብል ጀነራላትን ፖለቲከኛታትን ይእሰሩ ኣለዉ ብምባል ኣሽማት ፀሪሑ ክፍንዎ ዝሓደረ ልሙድ ፃዕዳ ሓሶት ህዝቢ ትግራይ ራዕዲ ክስምዖን ክሕመስን ተፈጢሩ ዘሎ ፓለቲካዊ ውጥጥውን ተወሳሲቡ ናይ ሓባር ጥፍኣት ከስዕብን ኮነ ተባሂሉ ዝንዛሕ ዘሎ ፀሊም ፕሮፓጋንዳ እዩ ክብል ኮኒኑዎ። ህዝቢ ትግራይ ውሽጣዊ ፀገማቱ ብባዕሉ ብሰላማዊን ፖለቲካዊን መንገዲ ከምዝፈትሕን…
-
ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ትግራይ ዕውት ጉባኤ ኣካይዳ።

ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ትግራይ ድሕሪ ኣብ ትግራይ ዝተኸፈተ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ኲናት ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናት ብግልፂ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ብሙኻን ብፋይናንስን ብፕሮፖጋንዳን ደጊፋ ኣንፃር ተኸተልታ ምውጋና ስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ እምነት ክሕሉን ከቐፅልን ክብል ጎድናጎድኒ ናይ ህልውና ቃልሱ ናይ ባዕሉ ቤተክህነት ከጣይሽ ስለ ዝግባእ ብመራሕቲ ሃይማኖት…
-
ብዛዕባ ኣብ እዋን ጥንሲ ዘጋጥም ልዑል መጠን ፀቕጢ ደም ኣመልኪቱ ቢቢሲ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ እንታይ ይበል።

በብዓመቱ ልዕሊ 70 ሽሕ ህይወት ወላድ ኣዶታት እናቐተለ ዝርከብ እንትኾን ኮይኑ ግና ክሳብ ሐዚ ንሳይንትስት ግራ ዘእተወ ጉዳይ ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ ። ሸውዓተ ሜዳልያታት ኦሎምፒክ ዘሸነፈት፣ ተዓዋቲት14 ሻምፕዮና ወርቅን ናይ ዝኾነት ኣሊሰን ፊሊክስ ኣብ እዋን ጥንሲ ከላ ዘጋጠማ ፀቕጢ ደም ንኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ከምዚ ዝስዕብ ተዳህሲሱ ኣሎ። ፊሊክስ ስፖርተኛ ከም ሙዃና መጠን ፅቡቕ ዝበሃል ናይ…
-
ንተወ ብዘብል መሪሕ ቃል መድረኽ መተኣኻእኸቢ አቶት ይካየድ ኣሎ።

ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን ፌደራል ንህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣብ ቴለቶን ንተወ 130 ሚሊዮን ብር ኣወፍዩ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ቅድመ ምድላው ፌደራል ኣምባሳደር ዶ/ር ሽፈራው ተክለማርያም “ንተወ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዓቢይ ቴሌቶን ትግራይ ተረኺቦም ብስም ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ቅድመ ምድላው ፌደራል 130 ሚሊዮን…
-
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ አዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ከጋጥም ከም ዝኽእል ተሓቢሩ።

ኣብ ዞባታት ሰሜናዊ ምዕራብ፣ ምዕራብ፣ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ትግራይ ውሑድ መጠን ዘለዎ ዝናብ ከምዝህሉ ሃገራዊ ቅድመ ግምት ኩነታት ኣየር ኣፍሊጡ። እቲ ሃገራዊ ቅድመ ግምት ኩነታት ኣየር ሐዚ ቅድሚ ደቓይቕ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ከምዝሓበሮ ኣብ ትግራይ ሎሚ ቕነ እዋኑ ዘይሓለወ ትሑት መጠን ዝናብ ኽወቅዕ ከምዝኽእልን ንዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ስራሕቲ ክውገን ከምዝግባእን ኣገንዚቡ። ብመሰረት እዚ –…
-
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ምችው እዋን ትፅበ ከም ዘላ ተሓቢሩ።

እስራኤል ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብኢራን ንዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ዳርጋ ዘይተርፍ ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ንምውሳድ ሰዓታት ትቘጽር ዘላ ትመስል። ኢራን፡ ንቕትለታት እቶም ናይ ቀረባ መመሳጥርታ ዝዀኑ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላህን ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየን ምላሽ ንምሃብ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምዃኑ እያ ትገልጽ። ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ስጉምቲ ምፍዳይ ሕነ ሃገሩ ክመጽእ…
-
ኣብ 2027 ኣ.ፈ ዓለምና ፈላማይ ትሪሊየነር ክትረክብ ምኻና ፎርብስ ገሊጹ።

ኣብ 2027 ኣ.ፈ ዓለምና ፈላማይ ትሪሊየነር ክትረክብ ምኻና ፎርብስ ገሊጹ። ኣብ ዓውድታት ቴክኖሎጂን ፈጠራን ዝዋፈሩ ዘለዉ ሰባት መጠን ዘኻዕብትዎ ዘለዉ ሃፍቲ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተገሊፁ ።ዓለምና ኣብ 2027 ኣ.ፈ ፈላማይ ትሪሊየነር ከምእትረክብ ድማ ፎርብስ ተንብዩ ኣሎ። ኣብዚ እዋን 236 ቢልዮን ዩሮ ሃፍቲ ብምዉናን ናይ ፕላኔትና ቀዳማይ በዓል ሃፍቲ ብምዃን ዝመርሕ ዘሎ…
-
ዓለም ካብ ኣፅዋራት ኒኩሌር ናፃ ንኽትከዉን ፃዕሪ ዝገብር ትካል ፀረ ኒኩሌር ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል 2024 ኮይኑ።

ዓለም ካብ ኣፅዋራት ኒኩሌር ናፃ ንኽትከዉን ፃዕሪ ዝገብር ትካል ፀረ ኒኩሌር ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል 2024 ኮይኑ። ዓለም ካብ ኣፅዋራት ኒኩሌር ናፃ ንኽትከዉን ዓሊሞም ሰፊሕ ፃዕሪ እናገበሩ ዝመፁ ጃፓናውያን ዝመስረትዎ ትካል ፀረ ኒኩሌር ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል 2024 ኮይኑ። ቅድሚ 79 ዓመት ብመንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ክልተ ከተማታት ጃፓን ሄሮሽማን ናጋሳኪን ዝተፈፀመ ደብዳብ ኣቶሚክ ቦንብ ዝተረፉን ምስክርነት…

