ብሰንኪ ነታጒ ሂወት ሰለስተ ሰባት ጠፊኡ።

ሎሚ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያ ስምረት ኣብ ገዛ ዉሽጢ ብዝተፈንጀረ ነታጒ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃን ዝርከቦም ሂወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ ።

እቶም ግዳያት ዝወዳደቑ ተተኮስቲ ናብ ገዝኦም ሒዞም ብምኻድ ክቃፀል ብምግባር ኣብ ገዝኦም ዉሽጢ ብምፍንጃሩ ሂወቶም ክስእኑ ዝኸኣሉን ኣባላት ሓደ ስድራ ከምዝኾኑን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ፀጥታ ምምሕዳር ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ኣይተ ኣብሪህለይ ወልዴ ገሊፆም።

እቶም ሓላፊ ዘፈር ፀጥታ ምምሕዳር መንግስትን ካልኦት ይግበአና በሃልቲ ኣካላትን ከባቢና ካብ ተፈንጀርቲ ከፅሩይልና ይግባእ ክብሉ ፀዊዖም ክብል ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ዝለ ኣከልና ሓበሬት የመላኽት ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድወት ኣብቲ ከባቢ ከይዱ ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ ፣ ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ብሰንኪ ዝተፈንጀሩ ነተጒቲ ልዕሊ 50 ሰባት ሂወቶም ከምዝሓለፈ ንዘፈር ፀጥታን ምምሕዳር እታ ወረዳ ብምፅራሕ ምሕባርና ይዝከር ።

ብሓደጋ ነታጒ ደቆም ዝሰኣኑ ወገናት ንድወት ከምዝሓበርዎ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ወዲቆም ዝርከቡ ነቶጉቲ ኣብ ህፃናትን ዓበይትን ጉድኣት የብፅሑ ብምህላዎም ዝምልከቶ ኣካል ትኹረት ሂቡ ክፍትሸልናን ናፃ ክገብረልናን ይግባእ ኢሎም ምንባሮ ይዝከር ክብል ድምጺ ወያነ ቴሌቭዥን ጸብጺቡ ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading