Tag: Ethiopian Crisis
-
ኣብ ሱዳን መዓስከር ተነድባ ኣብ ከቢድ ስቕይ ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩ ሰላማዊ ሰለፊ ኣካይዶም።

ኣብ ሱዳን መዓስከር ተነድባ ኣብ ከቢድ ስቕይ ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩ ሰላማዊ ሰለፊ ኣካይዶም። እኹል ሕክምናን መድሓኒትን ብዘይምህላው መዓልታዊ ኣብ ምሟትን ከቢድ ስቓይን ዘለው እቶም ስደተኛታት ተጋሩ ትማሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወፅሉ ምኽንያት ውድብ ምግቢ ዓለም/WFP/ቅድሚ ሕጂ ብዓይነት እናቕረቦ ዝፀንሐ ሓገዝ ኣዝዩ ክንክይ ብምውሳኑ ስዒቡ እዩ ። ቅድም ክብል እቲ ብጥረ ገንዘብ 14900 SDG ናይ ሱዳን ዑምላ…
-
ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ሕቶ ቀዳማይ ብሄራዊ ኣጀንድኣ ከምዝገበረቶ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኮማንደር ተገኝ ለታ ኣፍሊጡ።

“ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ብግፍዒ ዝሰኣንናዮ ኣፍደገ ባሕሪ ምምላሱ ኣይተርፍን” ክብል ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኮማንደር ተገኝ ለታ ተዛሪቡ። ኢትየጽያ ዘቕረበቶ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕቶ ምምላስ ንኢትዮጽያ ሓዊሱ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንምስፋን ዝለዓለ ኣበርክቶ ከምዘለዎ እውን እቲ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ገሊፁ እዩ። ኮማንደር ተገኝ ለታ ንዚ ዝገለፀ ኣብ 8…
-
ውሳነታት ብሄራዊ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ትግራይ

ንሕና በዝሕና ልዕሊ ሓደ ሽሕን ክልተ ሚእትን ዝኾንና ካብ ኩሉ ከባብታት ትግራይ ተወኪልና ዝመፃእና፤ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ትግራይን ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ወራር ኮይኑ ሕዚ ‘ውን ጄኖሳይድ ዝፍፀመሉ ዘሎ ህዝብና፣ ሓራ ዘይወፅአ ልኡላዊ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣትና፣ ካብ መረበቱ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና፣ ብሄራዊ ረብሓታትን፣ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ህልውና ኣብያተ ምኽርና፣ ኩነታት…
-
ኣብ ዝሓለፍ ሰለስተ ዓመታት 4.6 ሚኢታዊ ዝኾውን ክፋል ዓለምና ኣብ ጎንፂ ከምዝርከብ ተገሊፁ ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ናይ ጎንፂ ቀጠናታት ብሲሶ ከም ዝዓበዩ ቬርሲክ ማብልክሮፍት ዝተባሃለ ትካል ዘውፅኦ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ። ኣብ ዩክሬይን ፣ማይናማር ፣ማእኸላይ ምብራቕ ፣ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ሳሕል ከባብታት ዘሎ ናይ ጎንፂ ኮሪደር ከምኡ እውን ኣብ ቀጠና ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ 2021 ኣ.ፈ ጀሚሩ ኲናትን ዘይምርግጋዕን እናተስፋሕፈሐ ይርከብ። ቬርሲክ ማብልክሮፍት ዝተብሃለ ናይ ጎንፂ ስፍሓት ዝምልከቱ መፅናዕትታት ዘውፅእ ትካል…
-
ዩክረይን ብናይ ኣሜሪካ ሚሳኢላት ናብ ወሽጢ ሩስያ ዒላማ ክትወቅዕ ባይደን ምፍቃዶም ከቢድ ቁጥዕ ቀስቂሱ ።

ዩክረይን ብናይ ኣሜሪካ ሚሳኢላት ናብ ወሽጢ ሩስያ ዒላማ ክትወቅዕ ባይደን ምፍቃዶም ከቢድ ቁጥዕ ቀስቂሱ ። ዋንነቱ ናይ መንግስቲ ሩስያ ዝኾነ ሮስያስክያ ጋዜጣ ፕረዚዳንት ጆ ባይደን ብጣዕሚ ዘቆጥዕን ዘተሓሰበን ውሳነ ወሲኒም ኣለዉ እዚ ደማ ዓብዪ ጉድኣት ክስዕብ እዩ ክብል ጸብጺቡ። ሩስያዊ ተወካልን ናብ ክርምሊን ቀረባ ዝኾኑን ናይ ሊብራል ዲሞክራሲ ፓርቲ ሓላፊ ዝኾኑ ሊዮኒድ ስላትስኪ እዚ ውሳነ…
-
ሕፅረት ሰራሕተኛታት ዘጋጠማ ጀርመን ተወሳኺ 200ሽሕ ናይ ስራሕ ቪዛታት ኣፅዲቓ።

ሕፅረት ሰራሕተኛታት ዘጋጠማ ጀርመን ተወሳኺ 200ሽሕ ናይ ስራሕ ቪዛታት ኣፅዲቓ። ሕፅረት ሰራሕተኛታት ዘጋጠማ ጀርመን ብዝተፈላለየ ሞያ ንዝሰልጠኑ ሰራሕተኛታት ልዕሊ 200ሽሕ ናይ ሰራሕ ቫዛ ከምእትህብ ኣፍሊጣ። ናይ ሰራሕተኛ ሕፅረት ንምምላእ ናይ ቪዛ ኣወሃህባ ስርዓታ ኣላሕሊሓቶ ኣላ እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ብዓሰርተ ሚኢታዊ ወሰኽ ኣርኢዩ ኣሎ። ጀርመን ኣብዝሓለፈ ዓመት ካብ ካናዳ ዝተቀበለቶ “ኦፖርቹኒት ካርድ”…
-
”ህዝቢ ኣሜሪካ መበል 47 ፕሬዘዳንት ኣሜሪካ ገይሩ ስለዝመረፀኒ ከመስግን ይፎቱ” ዶናልድ ትራምፕ

ህዝቢ ኣሜሪካ መበል 47 ፕሬዘዳንት ኣሜሪካ ገይሩ ስለዝመረፀኒ ከመስግን ይፎቱ” ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2024 ፕረዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝለዓለ ንሕንሕ ኣብ ዝግበረለን ሰለስተ ግዝኣታት ተዓዊቶም ኣለው። ትራምፕ ኣብ ግዝኣታት ፔንሲልቫንያ ፣ ኖርዝ ክሮላይናን ጆርጂያን ተዓዋቲ ኮይኖም ኣለው። ብተወሳኺ ነበር ፕረዚዳንት ትራምፕ ኣብ ፍሎሪዳ፣ ኦሓዮ፣ ቴክሳስን ኣይዋን ኣሸኒፎም ኣለው።ምክትል ፕረዚዳንት ካማላ ሃሪስ ድማ ኣብ ካሊፎርንያ፣…
-
ካብ ማሕበር ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተውሃበ መግለጺ።

ፍትሒ ንደቂ ኣንስትዬ ትግራይ ከምቲ ዝፍለጥ ጓል ኣንሰተይቲ ትግራይ ማለት ብርሃን ገዛ ዓንዲ ሕቖ ናይ ማሕበረሰብ እያ ኮታስ ጓል ኣንስተይቲ ማለት ትግራይ እያ። ግን ብኣንፃሩ ዕሸላት ደቂ ኣንስትዮ ኣሓትና ኣብ ዛዓለም ክትነብራ ኣይተፈቐደክንን ተባሂለን ይግፍዓን፤ይድፈራን፣ ይቕተላን ኣለዋ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝቐረባ ግዜ ንሰሞዖን ንርእዬን ዘለና መስካሕክሕን መሕዘኒን ንትግራዋይ ዘይምጥንን ነተን ካፍቱ ናይ ፅንተትን ጆኖሳይዳል ኩናት…
-
ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማ.ተ.ሰ.ኣ) ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ።

ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ሕቶ ክኣቱ ኣይግባእን!!! ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነት ሂቡ ዝቃለሰሎም ሓያሎ ዝተሓላለኹ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ሕቶታት እኳ እንተሃለውዎ፣ ናይ ቀደምቲ ቀዳሚ ገይሩ ሰሪዑ ዝቃለሰሉ ዘሎ ሕቶ ግና ሕቶ ምምላስ ሉኣላዊ መሬት ትግራይን ተመዛበልቲ ወገናትናን ምዃኑ እሙን እዩ። ኮይኑ ግና እቶም ነዚ ከተግብሩ ብህዝቢን ብውዳበታትን ሓላፍነት ብዝተዋህቦም ኣካላት…
-
ብሰንኪ ነታጒ ሂወት ሰለስተ ሰባት ጠፊኡ።

ሎሚ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያ ስምረት ኣብ ገዛ ዉሽጢ ብዝተፈንጀረ ነታጒ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃን ዝርከቦም ሂወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ ። እቶም ግዳያት ዝወዳደቑ ተተኮስቲ ናብ ገዝኦም ሒዞም ብምኻድ ክቃፀል ብምግባር ኣብ ገዝኦም ዉሽጢ ብምፍንጃሩ ሂወቶም ክስእኑ ዝኸኣሉን ኣባላት ሓደ ስድራ ከምዝኾኑን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ፀጥታ ምምሕዳር ወረዳ…

