ኣብ ዝሓለፍ ሰለስተ ዓመታት 4.6 ሚኢታዊ ዝኾውን ክፋል ዓለምና ኣብ ጎንፂ ከምዝርከብ ተገሊፁ ።


ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ናይ ጎንፂ ቀጠናታት ብሲሶ ከም ዝዓበዩ ቬርሲክ ማብልክሮፍት ዝተባሃለ ትካል ዘውፅኦ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ። ኣብ ዩክሬይን ፣ማይናማር ፣ማእኸላይ ምብራቕ ፣ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ሳሕል ከባብታት ዘሎ ናይ ጎንፂ ኮሪደር ከምኡ እውን ኣብ ቀጠና ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ 2021 ኣ.ፈ ጀሚሩ ኲናትን ዘይምርግጋዕን እናተስፋሕፈሐ ይርከብ።

ቬርሲክ ማብልክሮፍት ዝተብሃለ ናይ ጎንፂ ስፍሓት ዝምልከቱ መፅናዕትታት ዘውፅእ ትካል ኣብዞም ዝሓለፍ ሰለስተ ዓመታት ጎንፂ ዝተፈጠረሎም ከባብታት ንስፍሓት ህንዲ ክልተ ዕፅፊ ከምዝሽፍኑ ሓቢሩ።

በቲ ሪፖርት መሰረት 6.15 ሚልዮን ኪሎሜትር ስኩየር ዝኸውን ከባቢ ኣብመንጎ ሃገራትን ብዝካየድ ኲናት ዝተሸፈነ እዩ እዚ ማለት 4.6 ፐርሰንት ዝኸውን መሬት ዓለምና ጎንፂ እናተኻየደ ይርከብ ማለት እዩ።

ኣብ 2021 ኣ.ፈ 2.8 ሚኢታዊ ክፋል ዓለምና ጥራሕ ጎንፂ እናተኻየደሉ ዝነበረ እንትኸውን ምስ ናይዚ እዋን እንትነፃፀር ልዑል ወሰኽ ከምዝተመዝገበ እንትግለፅ ኣብ ኢኳዶር ፣ ኮሎምብያ ፣ ህንዲ ፣ኢንዶኔዥያን ታይላንድን ሓዊሱ ብጠቅላላ ኣብ 27 ሃገራት ካብ 2021 ኣ.ፈ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ጎንፅታት ዝሞቱ ሰባት በዝሒ ብ29% ወሲኹ ይርከብ ብተወሳኺ ካብ 69 ሰባት 1 ድማ በዝካየዱ ጎንፅታትን ኲናታትን ካብ መረበቱ እናተፈናቐለ ይርከብ ከብል ድማ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ ካብ ማሊ አስካብ ሶማሊያ ዘካትት ክፋላት ሳሕልን ቀርኒ ኣፍሪካን ዝሽፍን ናይ ጎንፂ ኮሪደር ዝትረፈለየ እንትኾን ኣብዚ ካባቢ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጎንፂታትን ኲናታትን ብሰለስተ ዕፅፊ ከምዝወሰኸ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 86 ሚኢታዊ ክፋል ቡርኪናፋሶ ኣብ ጎንፂ ዝርከብ እንትኸውን ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያ እውን ካብ 2021 ኣ.ፈ ጀሚሩ መጠነ ሰፊሕ ኲናት እናተኻየደ ከምዝርከብ ተገሊፁ እዩ።

ኣብ ሃገራት ዩክሬይን ፣ሱዳን ፣ጋዛን ሊባኖስን ሓዊሱ 470 ሚልዮን ህፃናት ብስንኪ ኲናት ኣካላዊን ስነልቦናዊን ገድኣት በፂሑዎም ይርከብ እዞም ህፃናት ወለዶም ብሰንኪ እቲ ኲናት ምስኣኖም ስዒቡ እውን ንጉልበት ብዝበዛን ፆታዊ ዓመፅን ከምኡ እውን ንዘይሕጋዊ ዝውውር ብዝለዓለ ደረጃ ከምዝተጋለፁ ፀብፂቡ ።

ካብ ሰብኣዊ ኪሳራ ብተወሳኺ ኣብ ንግዲ ፣ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ውሕስና ምግብን ዝለዓለ ፅለዋ ፈጢሩ ኣሎ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን እናተኻየደ ብዝረከብ ኲናት ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ናይ ቀረብ ሰንሰለት ፀገም ኣጋጢሙ ይርከብ እዚ ድማ ናብ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪካን ዝግበር ንግዲ ብእኹል መጠን ከይለኣኹ ገይሩ ይርከብ።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኢሰራኤልን ሓማስን እናተኻየደ ብዝርከብ ኲናት ስዒቡ ድማ ኣብ ልዕሊ ብቀይሕ ባሕርን ባሕሪ ኤደንን ዝንቀሳቐሳ ናይ ንግዲ መርከባት ካብ ናይ የመን ዓመፅቲ ሑቲ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ሰርዓት ንግዲ እቲ ዞባ ክተኣጓጎል ምኽንያት እናኾነ ከምዝርከብ ተሓቢሩ ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading