Tag: US Academy
-
ኣብ ዝሓለፍ ሰለስተ ዓመታት 4.6 ሚኢታዊ ዝኾውን ክፋል ዓለምና ኣብ ጎንፂ ከምዝርከብ ተገሊፁ ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ናይ ጎንፂ ቀጠናታት ብሲሶ ከም ዝዓበዩ ቬርሲክ ማብልክሮፍት ዝተባሃለ ትካል ዘውፅኦ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ። ኣብ ዩክሬይን ፣ማይናማር ፣ማእኸላይ ምብራቕ ፣ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ሳሕል ከባብታት ዘሎ ናይ ጎንፂ ኮሪደር ከምኡ እውን ኣብ ቀጠና ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ 2021 ኣ.ፈ ጀሚሩ ኲናትን ዘይምርግጋዕን እናተስፋሕፈሐ ይርከብ። ቬርሲክ ማብልክሮፍት ዝተብሃለ ናይ ጎንፂ ስፍሓት ዝምልከቱ መፅናዕትታት ዘውፅእ ትካል…
-
ስዊድን ንነዊሕ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝርከብ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ከም ትሽልም ኣፍሊጣ።

። ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 23 ዓመታት ኣብ ቤት ቤት ማእሰርቲ ንዝርከብ ጋዜጠኛ ዳዊት ይሳቅ ሰብኣዊ መሰላት ስዊድን ከምዝሽለሞ ኣፍሊጡ። እቲ ጋዜጠኛ ናይ ምዝራብ ነፃነት ንክኽበር ንዝገበሮ ቃልሲ “ኤልድስማን” ዝተበሃለ ሽልማት ተዋሂብዎ። እቲ ትካል ዳዊት ይሳቅ “ፍሉይ በዓል መትከል” ክብል ገሊፅዎ። ጋዜጠኛ ዳዊት ናይ ኤርትራን ስዊድንን ዜግነት ዘለዎ እንትኸውን ኣብ ኤርትራ ናይ መጀመርያ ዝኾነት “ሰቲት” ዝተብሃለት…
-
ካብ ማሕበር ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተውሃበ መግለጺ።

ፍትሒ ንደቂ ኣንስትዬ ትግራይ ከምቲ ዝፍለጥ ጓል ኣንሰተይቲ ትግራይ ማለት ብርሃን ገዛ ዓንዲ ሕቖ ናይ ማሕበረሰብ እያ ኮታስ ጓል ኣንስተይቲ ማለት ትግራይ እያ። ግን ብኣንፃሩ ዕሸላት ደቂ ኣንስትዮ ኣሓትና ኣብ ዛዓለም ክትነብራ ኣይተፈቐደክንን ተባሂለን ይግፍዓን፤ይድፈራን፣ ይቕተላን ኣለዋ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝቐረባ ግዜ ንሰሞዖን ንርእዬን ዘለና መስካሕክሕን መሕዘኒን ንትግራዋይ ዘይምጥንን ነተን ካፍቱ ናይ ፅንተትን ጆኖሳይዳል ኩናት…
-
ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ኣሸኒፎም ኲናት ዩክሬይን ከቋርፁ እንድሕር ፈቲኖም ክቕተሉ ከምዝኽእሉ ነበር ፕረዚዳንት ሩሲያ ተዛሪቦም።

ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ኣሸኒፎም ኲናት ዩክሬይን ከቋርፁ እንድሕር ፈቲኖም ክቕተሉ ከምዝኽእሉ ነበር ፕረዚዳንት ሩሲያ ተዛሪቦም። ትራምፕ እንድሕር ተዓዊቱ ኣብ ጉዳይ ዩክሬይን ዕጫ ጆን ኤፍ ኬንዲ ከጋጥሞም ይኽእል ብምባል ኣጠንቂቑ።ምክትል ኣቦመንበር ቤት ምኽሪ ድሕንነት ሩሲያን ነበር ፕሬዘዳንት ዲሚትሪ ሜድቬዴቭ እንድሕር ትራምፕ ፕረዚዳንት ኮይኖም ተመሪፆምን ኲናት ዩክሬይን ጠጠው ንምባል ፈቲኖም ክቕተሉ ከምዝኽእሉ ተዛሪቦም። ትራምፕ ኣብ…
-
ስደት መንእሰያት ትግራይ፡ ‘ህይወተይ ንምድሓን ብዙሕ ዘይሕጋዊ ነገራት ሰሪሐ’
ሳራ ብርሃነ፡ ‘ኣብ ዓደይ እንከለኹ’ ጽቡቕ ህይወት ነይሩኒ ትብል።ኣብ ዛላምበሳ ንእሽቶ ካፈ፡ ክልተ ቤት መግብን መደቀስን ነይሩዋ፤ በዚ ንኻልኦት ሰባት’ውን ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር ዕጕብ ናብራ ትመርሕ ምንባራ ትዛረብ።“ሕጂ ግን ንርእሰይ’ውን ክኸውን ኣይከኣልኩን፤ ደቀይ ዘብልዖም ስኢነ’የ”።ሳራ፡ ኣደ ክልተ ቈልዑ’ያ። ካልኦት ክልተ ኣቦኦም ዝሞተ ደቂ ሓፍታ’ውን ትናቢ።ድሕሪ’ቲ ኣብ 2020 ኣብ መንጐ መራሕቲ ትግራይን ማእከላይ መንግስትን ዝተወልዐ ረጽሚ…
-
ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 733 ሚልዮን ሰባት ኣብ ጥሜት ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ ።

ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ብሰንኪ ምዝባዕ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግዲ መነባብሮ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዘለው ሰባት ከቢድ ፅዕንቶ ፈጢሩ ምህላው ገሊፀን። ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ዝኾና ንጎዚ ኦኮንጆ ኢዋላ ናይ ምግቢ ውሕስና ምሽርሻርን ምዝባዕ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግድን ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዝነብሩ ዜጋታት ዝነብሩለን ሃገራት ካብ ዓቕመን ንላዕሊ እናፋተነን ከምዝርከብ ሓቢረን። ኣብ ርእሰ…
-
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ምችው እዋን ትፅበ ከም ዘላ ተሓቢሩ።

እስራኤል ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብኢራን ንዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ዳርጋ ዘይተርፍ ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ንምውሳድ ሰዓታት ትቘጽር ዘላ ትመስል። ኢራን፡ ንቕትለታት እቶም ናይ ቀረባ መመሳጥርታ ዝዀኑ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላህን ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየን ምላሽ ንምሃብ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምዃኑ እያ ትገልጽ። ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ስጉምቲ ምፍዳይ ሕነ ሃገሩ ክመጽእ…
-
ቴስላ ሙሉእ ብሙሉእ በዘይ ሹፌር ዝትንቀሳቐስ ሳይበርካፕ ዝተባሃለት መኪና ኣላልዩ።

ቴስላ ሙሉእ ብሙሉእ በዘይ ሹፌር ዝትንቀሳቐስ ሳይበርካፕ ዝተባሃለት መኪና ኣላልዩ።እታ ሓዳስ መኪና መሪ ይኹን ናይ ነዳዲ ከምኡ ወን ናይ ፍጥነት መቆፃፀሪ ፔዳል ከም ዘይብላ ንምፍላጥ አንትኾን ኤለን መሰክ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እዛ ወፅኢት ምህዞ ቴስላ ዝኾነት መኪና ብሰባት ካብ ዝግንሓ መካይን ካብ 10 ክሳብ 20 ዕፅፊ ሓደጋ ናይ ምብፃሕ ዕድላ ከም ዝትሕት ሓቢሩ።…
-
ዓለም ካብ ኣፅዋራት ኒኩሌር ናፃ ንኽትከዉን ፃዕሪ ዝገብር ትካል ፀረ ኒኩሌር ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል 2024 ኮይኑ።

ዓለም ካብ ኣፅዋራት ኒኩሌር ናፃ ንኽትከዉን ፃዕሪ ዝገብር ትካል ፀረ ኒኩሌር ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል 2024 ኮይኑ። ዓለም ካብ ኣፅዋራት ኒኩሌር ናፃ ንኽትከዉን ዓሊሞም ሰፊሕ ፃዕሪ እናገበሩ ዝመፁ ጃፓናውያን ዝመስረትዎ ትካል ፀረ ኒኩሌር ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል 2024 ኮይኑ። ቅድሚ 79 ዓመት ብመንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ክልተ ከተማታት ጃፓን ሄሮሽማን ናጋሳኪን ዝተፈፀመ ደብዳብ ኣቶሚክ ቦንብ ዝተረፉን ምስክርነት…
-
ኮሚሽነር ጀነራል ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ተጋዳላይ ግርማይ ከበደ ( ግርማይ ማንጁስ) ብዘሓደሮ ሕማም ዓሪፉ።

ተጋዳላይ ግርማይ ከበደ ካብ እዋን ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ መስርዕ ህወሓት ዝመርሖ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተፀንቢሩ ክሳብ ዕረፍቱ ብዝተፈላለየ ልኡኽቶን ሓላፍነትን ህዝቡ ዘገልገለ ተጋዳላይ ነይሩ። ተጋዳላይ ግርማይ ከበደ /ግርማይ ማንጁስ/ ካብ ወላዲኡ ሓለቓ ሓምሳ ከበደ ኣባድን ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ንግስቲ ኣርኣያን ብ1952 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተወለደ ኮይኑ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ናብ መኣዲ ትምህርቲ…

