Tag: Amhara
-
ስርዓት በሽር ኣልዓሳድ ከምዘብቀዐ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሶርያ ኣፍሊጡ።

ዓመፅቲ ሶርያ ንዋና ከተማ ደማስቆ ምቁፅፃሮም ዕላዊ ገይሮም ነዚ ስዒቡ ድማ ፕረዚዳንት በሽር ኣል ዓሳድ ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ከምዝኮብለሉ ተሓቢሩ። ን24 ዓመታት ዝገዝአ ስርዓት ፕሬዘዳንት በሽር ኣል ዓሳድ ከም ዘብቀዐ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ንበብ ብርኩ ዘለው ኣመራርሓ ሰራዊት ከምዘፍለጠ ሮይተርስ ፀብፂቡ። ዓመፅቲ ሓይልታት ሶርያ ፈጣን መጥቃዕቲ ብምኽፋት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣርባዕተ ከተማታት…
-
ባንክታት ኢትዮጵያ ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ብር ከምዝተንጭበርበሩ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዓመታዊ ናይ ገንዘብ ድሕንነት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ ሪፖርት ከምዝሓበሮ ክስብ ሰነ 2024 ኣብዘሎ ግዜ ጥራሕ ካብ 28 ባንክታት 1.3 ቢልዮን ብር ብኣጭበርበርቲ ከምዝተሰረቑ ሓቢሩ። እዚ ዝተንጭበርበሩሉ ምኽንያት ድማ ብዘይሕጋዊ ባጤራ ፣ ብዝተሰረቑ ናይ ኤቲኤም ማሽናት ፣ ብናይ ሓሶት ቼክ ፣ብናይ ሓሶት ናይ ስልኪ መልአኽትን ብኻልኦት ምኽንያታትን ዝተፈፀሙ ሙዃኖም ጠቒሱ፥ብተወሳኺ ኣብዚ ዓመት ባንክታት…
-
ቀጻሊ ዋጋ ኣብ ኣገልግሎት ናይ ዝርከባ ኤሌክትሪክ መካይን እንታይ ይመሰል?

ብነዳዲ ዝሰርሓ መካይን ኣብ ከባቢ ኣየር ብዘስዕብኦ ብኽለትን ንነዳዲ ዝኾውን ሸርፊ ወፃኢ ንምቅናስን ብዝብል ተደላይነተን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናቐነሰ መፅዩ ኣሎ። ሃገራትን መካይን መምረትቲ ኩባንያታትን በምኽንያት ፖሊሲታትን ብኣገዲድነት ዕዳጋን ትኽረቶም ናብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ኣብ ምግባር ይርከቡ። ነዚ ስዒቡ ድማ ዓደግቲ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን እናገዝኡ እንትኾኑ ስግኣቶም ድማ ዋጋ እተን መካይን እናቐነሰ ክኸይድ እዩ…
-
ዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ኮይኖም ተመሪፆም ።

ትራምፕ ብዕሊ ኣብ መፃኢ ወርሒ ጥሪ ካብ ተሰናባቲ ፕረዚዳንት ዝኾኑ ጆ ባይደን ስልጣኖም ክርከቡ እዮም ። ናይ ዓለምና ልዕለ ሓያል ሃገር ዝኾነት ሃገረ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየደቶ ፕረዚደንተዊ መረፃ 2024 ሪፐብሊካዊ ትራምፕ ተዓዋቲ ኮይኑ ኣሎ ።እቲ መረፃ ንምሽናፍ ሕፁያት እነተንኣሰ ልዕሊ 270 መረፅቲ ወኪላት ድምፂ ምርካብ ግድን እንትኸውን ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ኣሳኺዖም ኣለው። ዶናልድ ትራምፕ 19…
-
ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማ.ተ.ሰ.ኣ) ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ።

ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ሕቶ ክኣቱ ኣይግባእን!!! ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነት ሂቡ ዝቃለሰሎም ሓያሎ ዝተሓላለኹ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ሕቶታት እኳ እንተሃለውዎ፣ ናይ ቀደምቲ ቀዳሚ ገይሩ ሰሪዑ ዝቃለሰሉ ዘሎ ሕቶ ግና ሕቶ ምምላስ ሉኣላዊ መሬት ትግራይን ተመዛበልቲ ወገናትናን ምዃኑ እሙን እዩ። ኮይኑ ግና እቶም ነዚ ከተግብሩ ብህዝቢን ብውዳበታትን ሓላፍነት ብዝተዋህቦም ኣካላት…
-
ኤለን መስክ መንግስት ብዘይ ኣግባብ ዘውፅኦ ክልተ ትሪልዮን ዶላር ምትራፍ ከምዝኽእል ገሊፁ ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ባይደን ምምሕዳር ልዕሊ 6ተ ትሪልዮን ዶላር ከም ዘባኸነ ተገሊፁ። ኣሜሪካ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልትታት ፕሬዚደንታዊ መረፃ ክተካይድ እያ እዚ መረፃ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ዝለዓለ ተፅዕኖ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ፕሬዚደንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ሕፁያት ናይ ምረፁኒ ቅሰቀሶኦም እናካየዱ ይርከቡ። ደጋፊ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝኾኑ ዝኣወጁ ቢልዮነር ኤለን መስክ ገንዘብ ኣሜሪካውያን ብዘይኣግባብ ይባኽን ኣሎ ክብል ገሊጹ። ኣብ…
-
ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ትግራይ ዕውት ጉባኤ ኣካይዳ።

ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ትግራይ ድሕሪ ኣብ ትግራይ ዝተኸፈተ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ኲናት ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናት ብግልፂ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ብሙኻን ብፋይናንስን ብፕሮፖጋንዳን ደጊፋ ኣንፃር ተኸተልታ ምውጋና ስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ እምነት ክሕሉን ከቐፅልን ክብል ጎድናጎድኒ ናይ ህልውና ቃልሱ ናይ ባዕሉ ቤተክህነት ከጣይሽ ስለ ዝግባእ ብመራሕቲ ሃይማኖት…
-
ንተወ ብዘብል መሪሕ ቃል መድረኽ መተኣኻእኸቢ አቶት ይካየድ ኣሎ።

ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን ፌደራል ንህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣብ ቴለቶን ንተወ 130 ሚሊዮን ብር ኣወፍዩ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ቅድመ ምድላው ፌደራል ኣምባሳደር ዶ/ር ሽፈራው ተክለማርያም “ንተወ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዓቢይ ቴሌቶን ትግራይ ተረኺቦም ብስም ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ቅድመ ምድላው ፌደራል 130 ሚሊዮን…
-
ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 733 ሚልዮን ሰባት ኣብ ጥሜት ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ ።

ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ብሰንኪ ምዝባዕ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግዲ መነባብሮ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዘለው ሰባት ከቢድ ፅዕንቶ ፈጢሩ ምህላው ገሊፀን። ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ዝኾና ንጎዚ ኦኮንጆ ኢዋላ ናይ ምግቢ ውሕስና ምሽርሻርን ምዝባዕ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግድን ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዝነብሩ ዜጋታት ዝነብሩለን ሃገራት ካብ ዓቕመን ንላዕሊ እናፋተነን ከምዝርከብ ሓቢረን። ኣብ ርእሰ…
-
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ምችው እዋን ትፅበ ከም ዘላ ተሓቢሩ።

እስራኤል ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብኢራን ንዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ዳርጋ ዘይተርፍ ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ንምውሳድ ሰዓታት ትቘጽር ዘላ ትመስል። ኢራን፡ ንቕትለታት እቶም ናይ ቀረባ መመሳጥርታ ዝዀኑ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላህን ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየን ምላሽ ንምሃብ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምዃኑ እያ ትገልጽ። ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ስጉምቲ ምፍዳይ ሕነ ሃገሩ ክመጽእ…

