ቀጻሊ ዋጋ ኣብ ኣገልግሎት ናይ ዝርከባ ኤሌክትሪክ መካይን እንታይ ይመሰል?

ብነዳዲ ዝሰርሓ መካይን ኣብ ከባቢ ኣየር ብዘስዕብኦ ብኽለትን ንነዳዲ ዝኾውን ሸርፊ ወፃኢ ንምቅናስን ብዝብል ተደላይነተን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናቐነሰ መፅዩ ኣሎ። ሃገራትን መካይን መምረትቲ ኩባንያታትን በምኽንያት ፖሊሲታትን ብኣገዲድነት ዕዳጋን ትኽረቶም ናብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ኣብ ምግባር ይርከቡ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ዓደግቲ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን እናገዝኡ እንትኾኑ ስግኣቶም ድማ ዋጋ እተን መካይን እናቐነሰ ክኸይድ እዩ ዝብል እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ዩሮ ኒውስ ኣብዝሰርሖ ፀብፃብ ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰብሞያ ኣዘራሪቡ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ናይ ዘለዋ ኤሌክትሪክ መካይን ጥቅምን ጉድኣትን ብዝብል ኣብ ዝፀብፀቦ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ዋግአን እናቐነሰ ክኸይድ ካብ ዝገብሩ ምኽንያታት ናይ ባትሪ ዓቕሚ፣ መጠን ዝተዘወራሉ ርሕቐትን ናይቲ መኪና ኣትሓሕዛ ደጋዊ ኣካሉ እዮም።

ኣብ ኣውሮፓ ኣገልግሎት እናሃባ ካብ ዘለዋ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን 50 ምኢታዊ ዝኾና ዋገአን ብፈርቂ ከም ዝቐነሳ ዝተገለጸ እንትኸውን እተን መካይን ኣርባዕተ ዓመትን ልዕሊኡን ኣገልገሎት ብዝሃባ ቁጽሪ ግን ዋግአን እናወሰኸ ከምዘኸደ ተገሊጹ። ይኹን ድኣእምበር ኣብዚ ወሽጢ 10 ዓመታት ዋጋአን ብጣዕሚ ከምዝቐነሰ ዩሮ ኒወስ ጸብጺቡ ።

እዚ ዝኾኖሉ ድማ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ብፍላይ ናይ ባትሪአን ዓቕሚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸ ዝመጽእ ምዃኑን ባትሪ ዝመልአሉ ግዜ እናሓጸረን እናዘመነን ብምምጸኡ ንቡዝሕ ዓመታት እናገልገላ ዝጸንሓ መካይን ተደላይነተን እናቐነሰ ክኸይድ ይገብር ።

ሃገራት ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ንምትብባዕ ብዝብል ተለዋዋጢ ፖሊሲታት ናይምኽታል ዝንባለታት ኣለዎም ዝተብሃለ እንትኸውን ብፍላይ ዝትወሰኑ ሃገራት ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ንዘገዝኡ ሰባትን ኩባንያታትን ናይ ግብሪ ምቅናስን ካልኦት መተባብዕታትን እናሃቡ እዮም ።

ኮይኑ ግን መንገስትታት ዝህብዎም መብረታትዕታት ቀዋሚ ብዘይ ምዃኖም ኣብ ዋጋ እዘን ተሽከከርቲ ናይ ባዕሉ ጽልዋ ኣለዎ። በዚኦምን ብካልኦት ናይ ዓለም ኢኮኖሚ ምለውዋጥን ምኽንያታት ሃይብሪድ ዝባሃሉ ማለት እውን ብነዳድን ብኤሌክትሪክን ዝሰርሓ መካይን ምግዛእ ከምዘዋጽእ ጸብጻብ ዩሮ ኒወስ የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃልወ ኣብ ቀጻሊ 10 ዓመታት ዋና ናይ መካይን መምረትቲ ኩባንያታት ዓለም ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ምምራት ስለ ዝዋፈሩ ብነዳዲ ዝሰርሓ መኻይን ቅስ ብቅስ ካብ ዕዳጋ ክወጻ ስለዝኽእላ ፣ናይ ባትሪ ዓቕሚ እናትመሓየሸ ስለዝኸይድን ዓደግቲ ኣብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ዘለዎም ኣመለካክታ እናተምሓየሸ ስለ ዝኸይድን ኣብ ኣገልግሎት ናይ ዝነበራ ኤሌክትሪካል መካይን ተደላይነተን እናወሰኸ ክኸይድ ትጽቢት ይግበር።

ብፍላይ መንግስትታት ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝገብርዎ ዓደግቲ ዝበልጸ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ንክገዝኡ ዝገብረዎ ዘለዉ ምብረትታዕ እናቐንሱ ስለዝኸዱ ናይ ኣብ ኣገልህሎት ዘለዋ ኤሌክትሪካል ተሽከርከርቲ ዋጋ እንወሰኸ ክኸይድ ክምዝኽእል ጸብጻብ ዩሮ ኒወስ ገሊጹ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading