ትራምፕ ብዕሊ ኣብ መፃኢ ወርሒ ጥሪ ካብ ተሰናባቲ ፕረዚዳንት ዝኾኑ ጆ ባይደን ስልጣኖም ክርከቡ እዮም ።
ናይ ዓለምና ልዕለ ሓያል ሃገር ዝኾነት ሃገረ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየደቶ ፕረዚደንተዊ መረፃ 2024 ሪፐብሊካዊ ትራምፕ ተዓዋቲ ኮይኑ ኣሎ ።
እቲ መረፃ ንምሽናፍ ሕፁያት እነተንኣሰ ልዕሊ 270 መረፅቲ ወኪላት ድምፂ ምርካብ ግድን እንትኸውን ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ኣሳኺዖም ኣለው። ዶናልድ ትራምፕ 19 ናይ መረፅቲ ድምፂ ዘለዋ ግዝኣት ፔንሲልቫንያ ምስዓሮም ስዒቡ ነቲ መረፃ ንምዕዋት በታሕተዋይነት ዝተቐመጠ 270 ድምፂ ክረኽቡ ኣኽኢልዎም እዩ ።
ትራምፕ ተዓዋቲ ንሙኻን ካብ ዘድሊ 270 ድምጺ 279 ዝረኸቡ እንትኾን ተነሓንሒቶም ዝኾና ካማላ ሃሪስ ድማ 223 ደምጺ ብምርካበን ትራምፕ ሰፊሕ ብዝብሃል ኣፈላላይ ከዕወቱ ክኢሎም እዮም።
ዶናልድ ትራምፕ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2016 ክሳብ 2020 ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ኮይኖም ዝመርሑ እንትኾን ኣብ መረፃ 2020 ብ ጆባይደን ተሸኒፎም ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዶም ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ዳግማይ ናብ መሪሕነት ክምለሱ ተመሪፆም ኣለው ።



Leave a Reply