ስርዓት በሽር ኣልዓሳድ ከምዘብቀዐ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሶርያ ኣፍሊጡ።

ዓመፅቲ ሶርያ ንዋና ከተማ ደማስቆ ምቁፅፃሮም ዕላዊ ገይሮም ነዚ ስዒቡ ድማ ፕረዚዳንት በሽር ኣል ዓሳድ ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ከምዝኮብለሉ ተሓቢሩ።

ን24 ዓመታት ዝገዝአ ስርዓት ፕሬዘዳንት በሽር ኣል ዓሳድ ከም ዘብቀዐ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ንበብ ብርኩ ዘለው ኣመራርሓ ሰራዊት ከምዘፍለጠ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ዓመፅቲ ሓይልታት ሶርያ ፈጣን መጥቃዕቲ ብምኽፋት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣርባዕተ ከተማታት ዝተቖፃፀሩ እንትኾኑ ሐዚ ድማ ንዋና ከተማ እታ ሃገር ደማስቆ ተቖፃፂሮም ይርከቡ።

እቶም ዓመፅቲ ንዋና ከተማ እታ ሃገር ድሕሪ ምቁፅፃሮም ትሽዓተ ኣባላት እቲ ሓይሊ ኣብ መስኮት ብሄራዊ ቴሌቭዥን እታ ሃገር ቀሪቦም በሽር ኣል ዓሳድ ካብ ስልጣን ኣወጊድናዮ ኣለና ክብሉ ናይ መጀመርያ መግለፂ ሂቦም።

ነታ ከተማ ድሕሪ ምቁፅፃሮም ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ሰባት ከምዝፈትሑ በምግላፅ ነቶም እሱራት ዝተጨቆኑ ክብሉ ገሊፅምዎም።

ካብ ኣድሊፕ ዝተልዓለ ዓማፂ ሓይሊ ሃያት ታህሪር ኣል-ሻም ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ብዘካየዶ ፈጣን መጥቃዕቲ ቁልፊ ዝኮና ከተማታት ኣሌፖ፣ ሃማ ፣እና ሆምስ ድሕሪ ምቁፅፃሩ ሎሚ ዕለት ድማ ንዋና ከተማ እታ ሃገር ምቁፅፃሩ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ሶርያ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣቦን ወድን ን53 ዓመታት ዝፀንሐት እንትትኸውን ድሕሪ ሐዚ ግን እዚ ሰርዓት ኣብቂዑ ኣሎ።

ኣቦ ፕረዚዳንት በሽር ኣል ዓሳድ ዝኾኑ ሃፌዝ ኣል ዓሳድ ካብ ከም ኣቆፃፅራ አውሮፓውያን 1971 ጀሚሩ ክሳብ 2000 ዝመርሑ እንትኾኑ ውላዶም በሽር ኣል ዓሳድ ድማ ካብ 2000 ክሳብ ሐዚ ከመርሕ ምፅንሑ ይፍለጥ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading