ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዓመታዊ ናይ ገንዘብ ድሕንነት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ ሪፖርት ከምዝሓበሮ ክስብ ሰነ 2024 ኣብዘሎ ግዜ ጥራሕ ካብ 28 ባንክታት 1.3 ቢልዮን ብር ብኣጭበርበርቲ ከምዝተሰረቑ ሓቢሩ።
እዚ ዝተንጭበርበሩሉ ምኽንያት ድማ ብዘይሕጋዊ ባጤራ ፣ ብዝተሰረቑ ናይ ኤቲኤም ማሽናት ፣ ብናይ ሓሶት ቼክ ፣ብናይ ሓሶት ናይ ስልኪ መልአኽትን ብኻልኦት ምኽንያታትን ዝተፈፀሙ ሙዃኖም ጠቒሱ፥ብተወሳኺ ኣብዚ ዓመት ባንክታት ዝኸሰሩዎ መጠን ገንዘብ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ብ300 ሚልዮን ከምዝወሰኸ ድማ ተገሊፁ።
ብጠቕላላ ካብ ዘለው 31 ባንክታት እቶም 28 ባንክታት ዝተሰረቁ እንትኾኑ ናይ እቶም ዝተረፉ 3 ባንክታት ሽም ግና ኣይጠቐሰን።
ባንክታት ምስ ኣናኣሽተይ ናይ ዕቋርን ላቓሕን ናይ ፋይናንስ ትካላት ብምትእስሳር ልቓሓት ይህቡ ምህላዎም ዝተገለፀ እንትኾውን እዚ ኣገልግሎት እናወሰኸ ብምኻዱን ናይ በይነ መረብ ኣጭበርበርቲ እናበዝሑ ምምፅኦምን ባንክታት ዝኸስርዎ መጠን ገንዘብ ክውስኽ ከምዝኽእል ድማ ኣሚቱ።
ብመሰረት መረዳእታ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብጠቅላላ ናይ ኢትዮጵያ ዝውውር ገንዘብ ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ ዝገለፀ እንትኾውን ክሳብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ውሽጢ ልዕሊ 2.5 ትሪሊዮን ብር ኣብ ባንክታት ዝተዓቆረ እንትኾውን ዝተውሃበ መጠን ልቓሕ ድማ 2.2 ትሪሊዮን ብር ከምዝበፅሐ ሓቢሩ ።
እቲ ልቓሕ ድማ ንናይ ማኑፋክቸሪንግ ዓውዲ 345 ቢልዮን ፣ንናይ ውሽጢ ዓዲ ንግዲ 302 ቢልዮን ከምኡ እውን ናይ ወፃኢ ንግዲ ድማ 212 ቢልዮን ብር ከምዝተውሃበ ገሊፁ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ንናይ ሕርሻ ሰራሕቲ ዝተውሃበ መጠን ገንዘብ ዝተሓተ እንትኾን ከብ ወፃኢ ንዝኣትው ፍርያት ንምእታውን ካልኦት ናይ ንግዲ ዓውድታትን ብቅደም ሰዓብ ዝተሓተ መጠን ልቓሕ ከምዝተውሃበ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ መጠን ትርፊ ባንክታት ድማ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተመዝገበ 49 ቢልዮን ብር ናብ 59 ቢልዮን ብር ከምዝወሰኸ ተፈሊጡ ።



Leave a Reply