ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ትግራይ ድሕሪ ኣብ ትግራይ ዝተኸፈተ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ኲናት ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናት ብግልፂ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ብሙኻን ብፋይናንስን ብፕሮፖጋንዳን ደጊፋ ኣንፃር ተኸተልታ ምውጋና ስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ እምነት ክሕሉን ከቐፅልን ክብል ጎድናጎድኒ ናይ ህልውና ቃልሱ ናይ ባዕሉ ቤተክህነት ከጣይሽ ስለ ዝግባእ ብመራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ተመስሪቱ ካብቲ እዋን ኲናት ጀሚሩ መንፈሳዊ ኣገልገሎት አናሃበ ከም ዘሎ ዝፍለጥ እንትኾን ንዝሓለፍ ሰለስተ መዓልትታት ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ድማ እቲ ቤተ ክህነት ብዝበለፀ ዘጠናኽሩን ዝተፈላለዩ ምምዕርራያትን ውሳነታትን ብምሕላፍ ጉባኤኡ ዛዚሙ ኣሎ ።
ሙሉእ ትሕዝቶ አቲ መግለጺ. . .
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ።
“ወይእዜኒ እቀቡ ርእሰክሙ ወኵሎ መራዕየ ዘሎቱ ሤመክሙ ጳጳሳተ ከመ ትርአዩ ቤተ ክርስቲያኑ ለክርስቶስ እንተ እጥረያ በደሙ”
-ስለዙይ ንርእስኹምን ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዝተቤዘዋ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሔርን ክትሕልዉ፤ መንፈስ ቅዱስ ጳጳሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም፥ ነቲ ዅሉ መጓሰ ሓልዉ።” ግብ.ሐዋ. 20፥28
ካብ ዕለት 11-13.2017 ዓ.ም ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ዝሕለፎም ውሳነታት ኣመልኪቱ ዝተውሃበ መግለፂ።
ናይ ትግራይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ካብ ጥቅምቲ 9-10.2017 ዓ/ም ናይ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘካተተ ዓለም ለኻዊ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ሰበካ ጉባኤ ከምዝተኻየደ ይፍለጥ። ቀፂሉ ድማ ብፍትሒ መንፈሳዊ ዓንቀፅ 5 ቁሰራ 164 ድንጋገ መሰረት ስርዓተ ቀኖና ሓልዩ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ዝተሳለጠ እንትኸውን፤ ኣብ ዘካየድናዮ ዕውት መንፈሳዊ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ንሰለስተ ማዓልቲ ዝፀነሐ እንትኸውን ዝስዕቡ ውሳነታት ኣሕሊፍና ኣለና።
- ስያሜ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ዝምልክት፤ ሀ. ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ተባሂላ ንክትፅዋዕ፤ ለ. ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ዝብል ዝነበረ ድማ ብዘዕደችናዮ ሕገ ቤተ ክርስቲያን መሠረት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ተባሂሉ ክፅዋዕ ከምዘለዎ ወሲና ኣለና።
- ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ቀዳማይ ዓላማኣ ስብከተ ወንጌል ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኩለ መዋቕራዊ ኣገልግሎት ንስብከተ ወንጌል ቀዳምነት ብምሃብ ክስራሕ ከምዘለዎ ብምትእምማን ዝቐረበ ናይ 5 ዓመት ስትራቴጂክ ትልሚ ኣፅዲቕና ኣለና።
- ቅዱሳን ገዳማት፣ አብነት ቤት ትምህርቲ፣ ሊቃውንቲ ጉባኤን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ካለኦት መምርሕታት ቤት ፅሕፈትን ትኹረት ተዋሂቡ ክስረሓሎም ከምዘለዎን ወኒና ኣለና።
- ካብ ጥቅምቲ 9-10.2017 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ 3ይ ዓመት ዓለም ለኻዊ ሓፈሻዊ ሰበካ መንፈሳዊ ጉባኤ ዝቐረቡ ውሳነታት ምምዕርራይ ተገይሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕሉ ንክውዕል ኣፅዲቕናዮ ኣለና።
- ዝምልከቶም ኣካላት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኩሎም ዝፀደቐ ሓዱሽ ሕገ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ክትግብሩን ከተግብሩን ከምዘለዎም ንገልፅ።
- ንኩሎም ብፁኣን ኣበው ሊቃነ ጳጳሳት መዕረፊ ዝኸውን ህንፃ G+1 ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ንክስራሕ ወሲና ኣለና።
- ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ናይ በዕላ ሚድያን ቤት ሕትመትን ክህልዋ ስለዝግባእ ፤ ዓቢይ ኮሚቴ ኣጣይሽና ንዝቕፅል ጉባኤ ኣፅኒዑ ንክቐርብ ወሲና ኣለና።
- ኣብ መንጎ መቐለ ሃ/ስብክትን ቅ/ፍ/ኣ/ሰ/ከ/ብርሃን መንፈሳዊ ኮሌጅን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ፍቕሪ ሓልዮትን ብዝተመልእ መንገዲ ዝተፈትሐ ምዃኑ እናገለፅና ዝተረፈ ጉዳይ ድማ ብኸይዲ ንክፍፀም ወሲና ኣለና።
- ኣብ ቤተ ክርስቲያና ዝረኣዩ ዘለዉ ጉድለት ሰናይ ምምሕዳርን ስእነት ፍትሕን በሀሁ0 ንክፍታሕ ኣብ ስምምዕነት ዝበፃሕና እንትንክውን፤ ነዙይ ብቕርበት ዝከታተልን ዘፈፅምን ቀዋሚ ሲኖዶስ ሰይምና ኣለና።
- ኣብ ወፃእን ውሽጢ ዓድን ዘላ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፣ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ትገብሮ ዘላ ጣልቃ ምእታ’ው ጠጠው ንክተብል እናፀዋዕና፤ ካብዙይ ዓንቃፍን ኢክርስቲያናውን ዝኾነ ተግባር እንተዘይ ተዓቂባ ግን ከቢድ ቀኖናዊ ውሳነ ንወስድ ምኳንና ክንገልፅ ንፈቱ፡፡
- ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ብሕውነት መንፈስ ኣፈላላዮም ንክፈትሑ ፃውዒት እናቕረብና ቤተ ክርስቲያና ድማ ምእንቲ ሰላም ዝጀመረቶ ፃዕሪ ኣሐይላ ከምትቕፅላሉ ክንገልፅ ንፈቱ።
- ካብ መረበቱን ሃገሩን ተፈናቒሉ ብጥሜት፣ ብሕማም፤ ብቑሪ፣ ፀሓይን ንፋስን እናተሳቐየ ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሽግርን መከራን ዝርኢ ዘሎ ህዝብና ናብ መረበቱ ንክምለስ ዝምልከተኩም ኣካለት ኩሉኹም ዘይተሓለለ ፃፅሪ ክትገብሩ ንፅውዕ፡፡
- እግዚአብሔር ቅዱስ ፈቓዱ ኮይኑ ኣብ ሃገርና ጽቡቕ ኣዝመራ ስለዘሎ፤ እቲ ኣዝመራ ግዚኡ ብዘይ ሓለወ ዝናብ ንከይጠፍእ መላእ ህዝብና ተሓጋጊዙ ብእዋኑ ንክእክቦ እናገለፅና ምስተኣከበ ድማ ኣግባብነት ብዘይብሉን መጠኑ ብዝሓለፎ ድግስ ንክይጠፍእ ነተሓሳስብ።
- ኣብ ሃገርና ዝረኣዩ ዘለው፤ ህዝብናን ቤተ ክርስቲያንናን ዝጎድኡ ኢ-ክርስቲያናውን ስነ-ምግባር ዝጎደሎምን ተግባራት ስለዝኾኑ፤ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድን መንግስታዊ ኣካላትን ተሓባቢርና ንክንሰርሕ ፃውዒትና ነቕርብ።
- ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ኣብ ዝነበሮ ፃኒሕት፦ ሀ. ብፀፅ አቡነ መርሐ ክርስቶስ ዋና ስራሕ መካየዲ (ሰብሳቢ)፤ ለ. ብፁዕ አቡነ አረጋዊ ድማ ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኮይኖም ንሰለስተ ዓመት ከገልግሉ ሰይሙ ኣሎ።
- ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ዝቐረበሉ በጀት 2017 ዓ.ም 139 ሚልዮን ብር ኣፅዲቱ ኣሎ።



Leave a Reply