ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ባይደን ምምሕዳር ልዕሊ 6ተ ትሪልዮን ዶላር ከም ዘባኸነ ተገሊፁ። ኣሜሪካ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልትታት ፕሬዚደንታዊ መረፃ ክተካይድ እያ እዚ መረፃ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ዝለዓለ ተፅዕኖ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ፕሬዚደንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ሕፁያት ናይ ምረፁኒ ቅሰቀሶኦም እናካየዱ ይርከቡ። ደጋፊ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝኾኑ ዝኣወጁ ቢልዮነር ኤለን መስክ ገንዘብ ኣሜሪካውያን ብዘይኣግባብ ይባኽን ኣሎ ክብል ገሊጹ።
ኣብ ፔንሲልቫንያ ዝተኻየደ ናይ ዶናልድ ትራምፕ መረፃ ቅስቀሳ መድረኽ ተረኺቦም መደረ ዝገበሩ ኤለን መስክ ፕረዚዳንት ባይደንን ምክትል ፕረዚዳንትን ናይዚ ውድድር ሕፅይቲ ፕሬዘዳንትን ኮይነን ዝወዳደራ ዘለዋ ካማላ ሃሪስን ልዕሊ 6.7 ትሪልዮን ዶላር ኣብዚ 2024 ዓመት ጥራሕ ወፃኢ ከምዝገበሩ ተዛሪቦም። ኤለን መስክ ካብዚ ዝተጋነነ ወጻኢ ልዕሊ 2 ትሪልዮን ዶላር ምቕናስ ከምዝኽእል ገሊፁ ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ መረፃ እንድሕር ተዓዊቶም ሓደ ናይ መንግስቲ ውፅኢታዊ ትካል ብዘይ መሃያ ንምምራሕ ፍቓደኛ ምኻኖም እውን ከም ዝገለፁ ተሓቢሩ ።
ኣብዚ ሰሙን ብዝተኻየደ ናይ ምረፁኒ ቅስቀሳ መሰረት ተገይሩ ብዝተኻየደ ናይ ቅድመ መረፃ ግምታዊ ውፅኢት ሪፐብሊኩ ትራምፕ ካብ ዲሞክራት ሃሪስ ዓሰርተ ሚኢታዊ ፀብለልታ ከምዘርኣየ ፀብፃብ ቢቢሲ ኣመላኺቱ ።
ትራምፕ ዕድጊት ክሪፕቶ ከረንሲ ከምዝድግፉ ምግላፆም ድማ ተጠቀምቲ ናይዚ መተግበሪ ንትራምፕ ደጋፎም ካብ ምሃቦም ብተወሳኺ ናይ ቢትኮይን ዋጋ ከም ዝውሳኸ ተገሊፁ።



Leave a Reply