።
ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 23 ዓመታት ኣብ ቤት ቤት ማእሰርቲ ንዝርከብ ጋዜጠኛ ዳዊት ይሳቅ ሰብኣዊ መሰላት ስዊድን ከምዝሽለሞ ኣፍሊጡ።
እቲ ጋዜጠኛ ናይ ምዝራብ ነፃነት ንክኽበር ንዝገበሮ ቃልሲ “ኤልድስማን” ዝተበሃለ ሽልማት ተዋሂብዎ። እቲ ትካል ዳዊት ይሳቅ “ፍሉይ በዓል መትከል” ክብል ገሊፅዎ።
ጋዜጠኛ ዳዊት ናይ ኤርትራን ስዊድንን ዜግነት ዘለዎ እንትኸውን ኣብ ኤርትራ ናይ መጀመርያ ዝኾነት “ሰቲት” ዝተብሃለት ጋዜጣ ካብ ዘጣየሹ ኣባለት ሓደ እንትኾን ኣብታ ጋዜጣ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ለውጥታት ክግበሩ ዝሓቱ ፅሑፋት ብምሕታሙ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን 2001 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እቲ ስርዓት ከምዝኣተወ ፀብፃባት የመላኽቱ ።
ዳዊት ምስ ቡዝሓት ሚኒስተራት፣ ኣባላት ፓርላማን ጋዜጠኛታትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ ዝውዕል ጀሚሩ ኣበይ ከምዝርከብን ከመይ ከምዘሎን ዝፍለጥ ነገር የለን ቡዝሓት ምስኡ ዝተኣሰሩ ድማ ህይወቶም ከምዝሓለፈ እቲ ፀብፃብ ጠቒሱ እዩ ።
ስዊድን ንናይ ኢስያስ ኣፍወርቂ መንግሰቲ ንጋዜጠኛ ዳዊት ከፈትሖን ዝርከበሉ ኩነታት ከፍልጣን ብተደጋጋሚ ሓቲታ መልሲ ኣይረኸበትን።
ዳዊት ኣብ ዓለምና ብዘይምንም ክስን ናይ ጥፍኣት ፍርድን ንነዊሕ እዋን ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ እዩ ፤ ኩነታት ጥዕንኡን ዝተኣሰረሉ ቦታን ክንፈልጥ ዘይምኽኣልና ኣዝዩ የተሓሳስበና ፤ወለዱን ይኹን ናይ ሕጊ ድጋፍ ክረክብ ኣይተፈቐደን ኣገዲድካ ክስወር ተገይሩ እዩ ክብሉ ናይ “ኤድልስታም” ሽልማት ናይ ደያኑ ጉጅለ ኣቦመንበር ካሮሊን ኤደልስታም ገሊፆም።
ብስዊድናዊ ዲፕሎማት ሃራልድ ኤደልስታም ስም ዝተሰየመ ናይ ኤደልስታም ሽልማት ንሰብኣዊ መሰል ምኽባር አስተዋጽኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ዝወሃብ እዩ።
ማሕበረሰብ ዓለም ኤርትራ ን23 ዓመት ዝኣሰረቶ ጋዜጠኛ ዳዊት ይሳቅ ከትፈትሕ ፅዕንቶ ክገብር ፀዊዖም።



Leave a Reply