ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ኣሸኒፎም ኲናት ዩክሬይን ከቋርፁ እንድሕር ፈቲኖም ክቕተሉ ከምዝኽእሉ ነበር ፕረዚዳንት ሩሲያ ተዛሪቦም።
ትራምፕ እንድሕር ተዓዊቱ ኣብ ጉዳይ ዩክሬይን ዕጫ ጆን ኤፍ ኬንዲ ከጋጥሞም ይኽእል ብምባል ኣጠንቂቑ።
ምክትል ኣቦመንበር ቤት ምኽሪ ድሕንነት ሩሲያን ነበር ፕሬዘዳንት ዲሚትሪ ሜድቬዴቭ እንድሕር ትራምፕ ፕረዚዳንት ኮይኖም ተመሪፆምን ኲናት ዩክሬይን ጠጠው ንምባል ፈቲኖም ክቕተሉ ከምዝኽእሉ ተዛሪቦም። ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ዩክሬይን ዘነፀባርቕዎ ዘለው ቅዋም ካብ ኣጋር ኣሜሪካ ምዕራባውያንን ካብታ ሃገር ዋና ዋና ፓርቲታት ዝተፈለየ እዩ ዝበሉ እቶም ነበር ፕሬዘዳንት እዚ ቅዋሞም ድማ ፀላእቲ ዘላዓዕልለሎም ክኾን ከምዝኽእል ኣታሓሳሲቦም ።
ትራምፕ ናይ ጆን ኤፍ ኬንዲ ፀጫ ክገጥሞም ከም ዝኽእል ብምጥንቃቕ ኣብ ቅዋሞም ፀኒዖም እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ዝንቀሳቐሱ እንተኾይኖም ግን ናይ ፓርቲታትን ፖለቲከኛታትን ፀቕጢ ከይንቀሳቐሱ ክገብሮም ከም ዝኽእል ገሊፆም። ብተወሳኺ ኣይኮነን ዶ ብሓደ መዓልቲ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ብሰለስተ ወርሒ እውን ኲናት ዩክሬይን ጠጠው ከብሉ ይኽእሉ እዮም ኢለ ኣይግምትን ክብሉ ገሊፆም።
ሐፁይ ፕረዚዳንት ሪፐብሊካን ዝኾኑ ዶናልድ ትራምፕ ፕሬዘዳንት ኮይኖም እንድሕር ተመሪፆም ኲናት ዩክሬይን ኣብ 24 ሰዓታት ከምዘቋርፅዎ በተደጋጋሚ ቃል ምእታዎም ዝዝከር እዩ ከይኑ ግን ነቲ ኲናት ብኸመይ ከምዘቋርፅዎ ኣይገለፁን።
ተናሓናሒት ዶናልድ ትራምፕ ዝኾና ሕፁይቲ ፕሬዘዳንት ካማላ ሃሪስ ነዚ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ ምላሽ ትራምፕ እንድሕር ተዓዊቶም ምንአልባት ዩክሬይን ኢዳ ክትህብ ከገድዱ ከምዝኽእሉ ገሊፀን ነይረን ። ከምኣገላልፃ ነበር ፕረዚዳንት ሜድቬዴቭ ሰሉስ ኣብ ዝካየድ ፕረዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ መን ከም ዝዕወት ብዘየግድስ ርክብ ሞስኮን ዋሽንግተንን ዝሓርፈፈ ኮይኑ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።
በተወሳኺ ኣል ኣይን ኣምሃሪክ ከም ዝፀብፀቦ ንሩሲያ ናይክልቲኦም ምስዕዓር ዝፈጥሮ ለውጢ የብሉን ምኽንያቱ ትራምፕ ይኹን ካማላ ንስዕረት ሩስያ ኣጥቢቖም ከምዝምነዩ ገሊፆም። ብዛዕባ ሃሪስ ድማ ብ ቤተሰብ ኦባማን ብነበር ሰበስልጣናት ኣሜሪካን ዝጉተቱ ድምፂ ኣልባ ሕፅይቲ ክብሉ ገሊፆመን ። ብተወሳኺ ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ኣሜሪካ ምስ ሩሲያ ናይ ድሕንነት ስምምዕነት ንምግባር እኹል ምትዕፅፃፍ እነተዝህልዎም ኲናት ዩክረይን ኣይመድለየን ነይሩ ክብሉ ሓቢሮም።



Leave a Reply