ቴስላ ሙሉእ ብሙሉእ በዘይ ሹፌር ዝትንቀሳቐስ ሳይበርካፕ ዝተባሃለት መኪና ኣላልዩ።

ቴስላ ሙሉእ ብሙሉእ በዘይ ሹፌር ዝትንቀሳቐስ ሳይበርካፕ ዝተባሃለት መኪና ኣላልዩ።
እታ ሓዳስ መኪና መሪ ይኹን ናይ ነዳዲ ከምኡ ወን ናይ ፍጥነት መቆፃፀሪ ፔዳል ከም ዘይብላ ንምፍላጥ አንትኾን ኤለን መሰክ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እዛ ወፅኢት ምህዞ ቴስላ ዝኾነት መኪና ብሰባት ካብ ዝግንሓ መካይን ካብ 10 ክሳብ 20 ዕፅፊ ሓደጋ ናይ ምብፃሕ ዕድላ ከም ዝትሕት ሓቢሩ።

ነዚ ሓዱሽ ምህዞ ትማሊ ኣብ ውሽጢ ግቢ ስትድዮ ፕሮቶታይፕ በወርነር ብሮስ ብኤለን መሰክ ንምርኢት ዕላዊ ከም ዝተገበረን እዚ መኪና ናይ ታክሲ ኣገልግሎት ብምሃብ እውን ክሰርሕ ከምዝኽእል ተገሊፁ።


እቲ ሳይበርካፕ ዝተበሃለ ሓዱሽ መኪና ብ artificial intelligence (AI) ተሓጊዙ ዝሰርሕ እንትኸውን ብኹሉ ኣንፈታት ብዝተገጠሙሉ ካሜራታትን ኢንድ ቱ ኢንድ ብዝተባሃለ ቴክኖሎጂን ተጠቒሙ ኣብ ዝርዩኡ ዝርከቡ ናይ መንገዲ ምስልታት ብምእካብ ዝተፈላለዩ ወሳነታት እናወሰነ ምስራሕ ከም ዝኽእል ንምፍላጥ ተኻኢሉ።


ናብ ዕዳጋ እንትቀርቡ ድማ ካብ 30 ሽሕ ዶላር ብዝነኣሰ ዋጋ ዝሽየጡ እንትኾን ናይቲ ቸሽከርካሪ ማእኸላይ ናይ መንቀሳቐሲ ዋጋ ድማ 0.2 ዶላር ከም ዝኸውንን ካብ 2026 ኣ.ፈ ጀሚሩ ናብ ዕዳጋ ከም ዝወፅእን ድማ ተሓቢሩ ።


አዚ ተሽከርካሪ ካብ ናይ ሰባት ሓገዝ ወፃኢ ብባዕሉ ምንቅስቓስ ምኽኣሉ ወነንቲ እቲ ተሽከርካሪ ከይሰርሑ ብቐሊሉ ናይ ታክሲ ኣገልግሎት ብምሃብ ኣታዊ ክረኽቡ ከም ዘኽእል ተገሊፁ ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading