ዓለም ካብ ኣፅዋራት ኒኩሌር ናፃ ንኽትከዉን ፃዕሪ ዝገብር ትካል ፀረ ኒኩሌር ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል 2024 ኮይኑ።
ዓለም ካብ ኣፅዋራት ኒኩሌር ናፃ ንኽትከዉን ዓሊሞም ሰፊሕ ፃዕሪ እናገበሩ ዝመፁ ጃፓናውያን ዝመስረትዎ ትካል ፀረ ኒኩሌር ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል 2024 ኮይኑ።
ቅድሚ 79 ዓመት ብመንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ክልተ ከተማታት ጃፓን ሄሮሽማን ናጋሳኪን ዝተፈፀመ ደብዳብ ኣቶሚክ ቦንብ ዝተረፉን ምስክርነት ዝሃቡን “ሂባኩሻ” ተባሂሎም ዝፅዉዑ ሰባት ተዓወቲ ኖቬል ሽልማት 2024 ኮይኖም።
እቲ ኒሆን ሂዳንክዮ ተባሂሉ ዝተሰየመ ትካል መምረቲ ፀረ ኒኩሌር ሎሚ ኣብ ዝተውሃበ ሽልማት ኖቬል 2024 ሓደ ሚልዮን ዶላር ተበርኪትሉ።
እቲ ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ኮሚቴ ሽልማት ኖቬል “ ሂባንኩሻ ዓለም ካብ ኣፅዋራት ኒኩሌር ነፃ ንኽትከዉን ንዝገበርዎ ፃዕርን፣ ኑክሌር ዳግማይ ኣብ ረብሓ ክዉዕል ከምዘይግብኦ ምስክር ስለዝኾኑን ሽልማት ኖቬል ተዋሂቦም ኣሎ” ክብል እዩ ምኽንያት መዐወቲኦም ኣብሪሁ።
ኣቦ መንበር ኮሚተ ሽልማት ኖቬል ሚስተር ጆርገን ዋትኒ ፍራይድነስ ኒኩሌር ዝወነና ሃገራት ኣብ ረብሓ ከየውዕልኦ ዝተላበዩ ኮይኖም ኣብዚ ዘመን ዘለዉ ኣፅዋራት ኒኩሌር ብዓይነቶም፣ብትሕዝቶኦምን መዕነዋይነቶምን ሓደገኛታት ስለ ዝኾኑ ሃገራት ኣፅዋራት ኒኩሌር ከይጥቀማ ዘለዎም ስግኣት ገሊፆም።



Leave a Reply