ሕፅረት ሰራሕተኛታት ዘጋጠማ ጀርመን ተወሳኺ 200ሽሕ ናይ ስራሕ ቪዛታት ኣፅዲቓ።

ሕፅረት ሰራሕተኛታት ዘጋጠማ ጀርመን ተወሳኺ 200ሽሕ ናይ ስራሕ ቪዛታት ኣፅዲቓ።

ሕፅረት ሰራሕተኛታት ዘጋጠማ ጀርመን ብዝተፈላለየ ሞያ ንዝሰልጠኑ ሰራሕተኛታት ልዕሊ 200ሽሕ ናይ ሰራሕ ቫዛ ከምእትህብ ኣፍሊጣ። ናይ ሰራሕተኛ ሕፅረት ንምምላእ ናይ ቪዛ ኣወሃህባ ስርዓታ ኣላሕሊሓቶ ኣላ እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ብዓሰርተ ሚኢታዊ ወሰኽ ኣርኢዩ ኣሎ።

ጀርመን ኣብዝሓለፈ ዓመት ካብ ካናዳ ዝተቀበለቶ “ኦፖርቹኒት ካርድ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣሰራርሓ ንሰብሞያን ዩኒቨረሲቲ ዝተመረቁን ናብታ ሃገር ኣትዮም ከምሃሩን ስራሕ ክእልሹ ቀሊል ክኾነሎም ገይሩ እዩ ይኹን ድኣ እምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብታ ሃገር 1.34 ሚልዮን ዝኾኑ ዓውድታት ሰራሕተኛ ስኢኖም ከምዝርከቡ ዶቼቬሌ ፀብፂቡ።

ካብ ኣውሮፓ ወፃኢ ዝርከቡ ሞያ ዘለዎም ሰራሕተግኛታት ናይ ሞያ መረጋገጺ መቅራብ ከይድለዮም ቪዛ ንምሕታት ተፈቒድሎም ኣሎ ።

ነዚ ሰዒቡ ድማ ሰለስተ ናይ መንግስቲ ጀርመን ሚኒስተራት ኣብዘውጽእዎ መግላጺ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት 200ሽሕ ናይ ስራሕ ኣመልከቲ ንምቕባል ከም ዝተዳለዉ ኣፍሉጦም። ብተወሳኺ ኣመልከቲ ኣብ ጀርመን ንምምሃርን ንመስራሕን እንተመልክቱ ተወሳኺ ናይ ሞያ ሰልጠና ከምዝውሃቦም ኣፍሊጦም ።

ኣባላት ሕብረት ኣውሮፓ ንዘይኮና ሃገራት ዝወሃብ ቪዛ ድማ ብ20 ሚእታዊ ወሲኩ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ጀርመን ናንሲ ፋዘር ምስጋና ልኦፖርቺኒቲ ካርድ ይኹን ሞያ ዘለዎም መናእሰይ ሰልጠና ይኹን ትምህርቲ ብቐሊሉ ክወስዱ ይኽእሉ፣ ልምድን ዓቕምን ዘለዎም ድማ ብቐሊሉ ዝስማዕምዖም ሰራሕ ክረኽቡ ይኽእሉ ክብሉ ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ዝኾና ኣናሊና ባርቦክ ብወገነን “ጀርመን በብዓመቱ 400ሽሕ ብሩህ ኣእምሮታትን ሃገርና ጠንካራ ዝገብሩ ተወሳኺ አእዳው ይጎድልዋ፤ እዚ ድማ ኢኮኖሚና ክዝሕል ምኽንያት ኮይኑ እዩ ክብላ ገሊፀን።

ኦፖርቺኒቲ ካርድ እንታይ እዩ ?

በርሊን ካብ ካናዳ ዝወሰዶቶ ናይ ቪዛ ዕድል ካርድ ተሞክሮ ሓደ ሰብ ብብቕዓት ፣ብፍልጠትን ብልምዱን መሰረት ተገይሩ ነቲ ናይ ቪዛ ስርዓት ብቁዕነት መገምገሚ ተገይሮም ይውሰዱ።

ናይ ሞያ ኩነታት ፣ዕድመ ናይ ጀርመንን ኢንግሊዝኛን ቋንቋ ክእለት ከምኡ እውን ኣብ ጀርመን ቅድሚ ሐዚ ዝነበሮ ርክብ ዝብሉ ረቛሕታት ኣብግምት ብምእታው ዝወሃብ እዩ እዚ ንምርካብ ዘመልክቱ ሰባት ድማ ብውሕዱ ኣብ ወርሒ 1000 ዩሮ ዝኣክል ገንዘብ ኣብ ናይ ቁጠባ ሒሳቦም ከህልዎም ይግባእ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading