ህዝቢ ኣሜሪካ መበል 47 ፕሬዘዳንት ኣሜሪካ ገይሩ ስለዝመረፀኒ ከመስግን ይፎቱ” ዶናልድ ትራምፕ
ኣብ 2024 ፕረዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝለዓለ ንሕንሕ ኣብ ዝግበረለን ሰለስተ ግዝኣታት ተዓዊቶም ኣለው። ትራምፕ ኣብ ግዝኣታት ፔንሲልቫንያ ፣ ኖርዝ ክሮላይናን ጆርጂያን ተዓዋቲ ኮይኖም ኣለው። ብተወሳኺ ነበር ፕረዚዳንት ትራምፕ ኣብ ፍሎሪዳ፣ ኦሓዮ፣ ቴክሳስን ኣይዋን ኣሸኒፎም ኣለው።
ምክትል ፕረዚዳንት ካማላ ሃሪስ ድማ ኣብ ካሊፎርንያ፣ ማሳቹሴትስ፣ ቬርሞንት፣ ሮድ ደሴት፣ ኬኔትክት፣ ሜሪላንድ፣ ኢሊኖይን ኒውዮርክን ተዓዊተን ኣለዋ። ውፅኢት እቲ መረፃ ካብ ዝውስኑ ከባብታት ዝኾና ዊዝኮዚን ሚችጋንን ድምፂ እናተቆፀረ ከምዝርከብ ዝተፈላለያ መዕኸናት ዜና እናፀብፀባ ይርከባ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፍሎሪዳ ተረኺቦ ንደገፍቶም ኣብ ዝገበርዎ መደረ ህዝቢ ኣሜሪካ መበል 47 ፕረዚዳንቱ ገይሩ ስለ ዝመረፀኒ ከመስገን ይፎቱ ክብሉ ተዛሪቦም ብተወሳኺ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መደረኦም ንኹሉ ዜጋ ከም ዝቃለሱ ቃል ኣትዮም።
ፀብፃብ ቢቢሲ ከምዝበሎ ድማ ውፅኢት መረፃ ዋላ እኳ ገና እንተኾነ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ቆፀራ ዓወት ናብ ሕፁይ ሪፐብሊካን ዝኾኑ ትራምፕ ከምዘመዝን ኣመላኺቱ።
ማዕኸን ዜና ኒውዮርክ ታይምስ ድማ ዶናልድ ትራምፕ ልዕሊ 95 ሚኢታዊ ናይ ምዕዋት ዕድል ኣለዎም ክብል ፀብፂቡ።
ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራሕቲ ድማ ብሐዚኡ ናይ እንኳዕ ደስበለካ መልአኽቲታቶም ናብ ዶናልድ ትራምፕ እናልኣኹ ከምዝርከቡ እናተገለፀ ይርከብ ።



Leave a Reply