Tag: Ethiopian Crisis
-
ኤለን መስክ መንግስት ብዘይ ኣግባብ ዘውፅኦ ክልተ ትሪልዮን ዶላር ምትራፍ ከምዝኽእል ገሊፁ ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ባይደን ምምሕዳር ልዕሊ 6ተ ትሪልዮን ዶላር ከም ዘባኸነ ተገሊፁ። ኣሜሪካ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልትታት ፕሬዚደንታዊ መረፃ ክተካይድ እያ እዚ መረፃ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ዝለዓለ ተፅዕኖ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ፕሬዚደንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ሕፁያት ናይ ምረፁኒ ቅሰቀሶኦም እናካየዱ ይርከቡ። ደጋፊ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝኾኑ ዝኣወጁ ቢልዮነር ኤለን መስክ ገንዘብ ኣሜሪካውያን ብዘይኣግባብ ይባኽን ኣሎ ክብል ገሊጹ። ኣብ…
-
ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ትግራይ ዕውት ጉባኤ ኣካይዳ።

ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ትግራይ ድሕሪ ኣብ ትግራይ ዝተኸፈተ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ኲናት ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናት ብግልፂ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ብሙኻን ብፋይናንስን ብፕሮፖጋንዳን ደጊፋ ኣንፃር ተኸተልታ ምውጋና ስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ እምነት ክሕሉን ከቐፅልን ክብል ጎድናጎድኒ ናይ ህልውና ቃልሱ ናይ ባዕሉ ቤተክህነት ከጣይሽ ስለ ዝግባእ ብመራሕቲ ሃይማኖት…
-
ስደት መንእሰያት ትግራይ፡ ‘ህይወተይ ንምድሓን ብዙሕ ዘይሕጋዊ ነገራት ሰሪሐ’
ሳራ ብርሃነ፡ ‘ኣብ ዓደይ እንከለኹ’ ጽቡቕ ህይወት ነይሩኒ ትብል።ኣብ ዛላምበሳ ንእሽቶ ካፈ፡ ክልተ ቤት መግብን መደቀስን ነይሩዋ፤ በዚ ንኻልኦት ሰባት’ውን ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር ዕጕብ ናብራ ትመርሕ ምንባራ ትዛረብ።“ሕጂ ግን ንርእሰይ’ውን ክኸውን ኣይከኣልኩን፤ ደቀይ ዘብልዖም ስኢነ’የ”።ሳራ፡ ኣደ ክልተ ቈልዑ’ያ። ካልኦት ክልተ ኣቦኦም ዝሞተ ደቂ ሓፍታ’ውን ትናቢ።ድሕሪ’ቲ ኣብ 2020 ኣብ መንጐ መራሕቲ ትግራይን ማእከላይ መንግስትን ዝተወልዐ ረጽሚ…
-
ንተወ ብዘብል መሪሕ ቃል መድረኽ መተኣኻእኸቢ አቶት ይካየድ ኣሎ።

ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን ፌደራል ንህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣብ ቴለቶን ንተወ 130 ሚሊዮን ብር ኣወፍዩ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ቅድመ ምድላው ፌደራል ኣምባሳደር ዶ/ር ሽፈራው ተክለማርያም “ንተወ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዓቢይ ቴሌቶን ትግራይ ተረኺቦም ብስም ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ቅድመ ምድላው ፌደራል 130 ሚሊዮን…
-
ቴስላ ሙሉእ ብሙሉእ በዘይ ሹፌር ዝትንቀሳቐስ ሳይበርካፕ ዝተባሃለት መኪና ኣላልዩ።

ቴስላ ሙሉእ ብሙሉእ በዘይ ሹፌር ዝትንቀሳቐስ ሳይበርካፕ ዝተባሃለት መኪና ኣላልዩ።እታ ሓዳስ መኪና መሪ ይኹን ናይ ነዳዲ ከምኡ ወን ናይ ፍጥነት መቆፃፀሪ ፔዳል ከም ዘይብላ ንምፍላጥ አንትኾን ኤለን መሰክ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እዛ ወፅኢት ምህዞ ቴስላ ዝኾነት መኪና ብሰባት ካብ ዝግንሓ መካይን ካብ 10 ክሳብ 20 ዕፅፊ ሓደጋ ናይ ምብፃሕ ዕድላ ከም ዝትሕት ሓቢሩ።…
-
ኣብ 2027 ኣ.ፈ ዓለምና ፈላማይ ትሪሊየነር ክትረክብ ምኻና ፎርብስ ገሊጹ።

ኣብ 2027 ኣ.ፈ ዓለምና ፈላማይ ትሪሊየነር ክትረክብ ምኻና ፎርብስ ገሊጹ። ኣብ ዓውድታት ቴክኖሎጂን ፈጠራን ዝዋፈሩ ዘለዉ ሰባት መጠን ዘኻዕብትዎ ዘለዉ ሃፍቲ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተገሊፁ ።ዓለምና ኣብ 2027 ኣ.ፈ ፈላማይ ትሪሊየነር ከምእትረክብ ድማ ፎርብስ ተንብዩ ኣሎ። ኣብዚ እዋን 236 ቢልዮን ዩሮ ሃፍቲ ብምዉናን ናይ ፕላኔትና ቀዳማይ በዓል ሃፍቲ ብምዃን ዝመርሕ ዘሎ…
-
ዓለም ካብ ኣፅዋራት ኒኩሌር ናፃ ንኽትከዉን ፃዕሪ ዝገብር ትካል ፀረ ኒኩሌር ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል 2024 ኮይኑ።

ዓለም ካብ ኣፅዋራት ኒኩሌር ናፃ ንኽትከዉን ፃዕሪ ዝገብር ትካል ፀረ ኒኩሌር ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል 2024 ኮይኑ። ዓለም ካብ ኣፅዋራት ኒኩሌር ናፃ ንኽትከዉን ዓሊሞም ሰፊሕ ፃዕሪ እናገበሩ ዝመፁ ጃፓናውያን ዝመስረትዎ ትካል ፀረ ኒኩሌር ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል 2024 ኮይኑ። ቅድሚ 79 ዓመት ብመንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ክልተ ከተማታት ጃፓን ሄሮሽማን ናጋሳኪን ዝተፈፀመ ደብዳብ ኣቶሚክ ቦንብ ዝተረፉን ምስክርነት…
-
ኮሚሽነር ጀነራል ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ተጋዳላይ ግርማይ ከበደ ( ግርማይ ማንጁስ) ብዘሓደሮ ሕማም ዓሪፉ።

ተጋዳላይ ግርማይ ከበደ ካብ እዋን ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ መስርዕ ህወሓት ዝመርሖ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተፀንቢሩ ክሳብ ዕረፍቱ ብዝተፈላለየ ልኡኽቶን ሓላፍነትን ህዝቡ ዘገልገለ ተጋዳላይ ነይሩ። ተጋዳላይ ግርማይ ከበደ /ግርማይ ማንጁስ/ ካብ ወላዲኡ ሓለቓ ሓምሳ ከበደ ኣባድን ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ንግስቲ ኣርኣያን ብ1952 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተወለደ ኮይኑ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ናብ መኣዲ ትምህርቲ…
-
ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጁቡቲ ዝሞቱ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ሙኻኖም ተሓቢሩ።

Northern sight, [10/5/2024 11:02 AM]➡ ዳይሬክተር ጨንፈር ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ንቀርኒን ደቡብ ኣፍሪቃ ፍራንሰ ሰለስተ ክልተ ኣስታት 310 ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ብዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ብሰኑይ ካብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ምርጋፈንን ብሰንኪ እዚ ድማ ሓንቢሶም ናብ ወሰን ባሕሪ ክበጽሑ ዘይከአሉ ስደተኛታት ከምዝሞቱ ሓቢሩ። ሬሳ 48 ካብኦም ከምዝተረኽበ 154 ድማ ምድሓኖም ሃለዋት 104 ግን ከምዘይተፈልጠ ተሓቢሩ’ሎ። ንሱ ሃለዋት…
-
ካብ ፍፃመታት እዚ ዕለት….

★ ብመፍለዪ ቁፅሪ 231104 spf ዝፍለጥ ኣርቲሜትር (ARTHEMETER) ዝተበሃለ መድሓኒት ሕማም ዓሶ ኣብ ጥቕሚ ንከይውዕል ተኣጊዱ። ብመፍለዪ ቁፅሪ 231104 spf ዝፍለጥ ኣርቲሜትር (ARTHEMETER 80 mg/ml injection) ዝተበሃለ መድሓኒት ሕማም ዓሶ ፀገም ደሕንነት ጥዕና ዘምፅእ ብምዃኑ ኣብ ጥቕሚ ንከይውዕል ከምዝተኣገደ በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን ትግራይ ኣፍሊጡ ። እቲ በዓል መዚ ኣብ ማሕበራዊ ድረገፁ…

