★ ብመፍለዪ ቁፅሪ 231104 spf ዝፍለጥ ኣርቲሜትር (ARTHEMETER) ዝተበሃለ መድሓኒት ሕማም ዓሶ ኣብ ጥቕሚ ንከይውዕል ተኣጊዱ።
ብመፍለዪ ቁፅሪ 231104 spf ዝፍለጥ ኣርቲሜትር (ARTHEMETER 80 mg/ml injection) ዝተበሃለ መድሓኒት ሕማም ዓሶ ፀገም ደሕንነት ጥዕና ዘምፅእ ብምዃኑ ኣብ ጥቕሚ ንከይውዕል ከምዝተኣገደ በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን ትግራይ ኣፍሊጡ ።
እቲ በዓል መዚ ኣብ ማሕበራዊ ድረገፁ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ከምዘመላኸቶ እቲ ዝተኣገደ ኣርቲሜትር (ARTHEMETER 80 mg/ml injection) ዝተበሃለ መድሓኒት ብሻይን ፓርማ ቻይና ዝተበሃለ ትካል ዝቐረበ ፣ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2023 ዝፈረየን ብመፍለዪ ቁፅሪ 231104 spf ዝፍለጥን እዩ።
እቲ ፀገም ጥዕና ዘስዕብ መድሓኒት ሕማም ዓሶ ኣብ ዕዳጋ ከይውዕልን ኣብ ዕዳጋ እንተተረኺቡ ድማ ተኣኪቡ ክውገድን እቲ በዓል መዚ ናብ ኩለን ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝርከባ ወረዳታትን ከተማታትን ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ ኣዚዙ ኣሎ።
ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ክህብ ዝደሊ ኣካል ድማ በቶም ኣብ ታሕቲ ዝተጠቐሱ ቁፅሪ ስልኪ እቲ በዓል መዚ ክጥቀም ከምዝኽእል ኣመላኺቱ።
👉 0914106840
👉 0932333408
★ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ማእኸል ኣድያቦ ዝተርኣየ ባልዕ ሕንዚዝ ምሸላ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ጉድኣት የብፅሕ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቑጠባ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቑጠባ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣይተ ሓጎስ ኣብርሃ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ከምዝሓበሩዎ ኣብታ ወረዳ ኣብ ዝርከባ ጣብያታት ዓዲ ኣውዓላን ማይ ኣባይን ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕን ዕስራን ሄክታር መሬት ዝተርኣየ ባልዕ ሕንዚዝ ምሸላ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ጉድኣት እንዳብፅሐ ይርከብ።
ነቲ ባልዕ ንምክልኻል ልዕሊ ኽልተ ሽሕን ሸውዓተ ሚኢትን ነባራይ ህዝቢ ተሳታፋይ ዝኾነሉ ብባህላውን ብኬሚካል ዝተሓገዘን ወፍሪ ይካየድ እኳ እንተሃለወ ንምቁፅፃር ከምዘይተኽኣለ ኣይተ ሓጎስ ሓቢሮም።
እቲ ባልዕ ናብ ኻልኦት ጣብያታትን ወረዳታትን ናይ ምግፋሕ ተኽእሎ ስለዘለዎ ልዑል ትኹረት ከምዝጠልብ ‘ውን እቶም ሓላፊ ኣገንዚቦም።
ብምዃኑ ‘ውን ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ከምኡ ‘ውን ካልኦት ዝምልከቶምን መድረግትን ኣካላት ብቕልጡፍ ሓገዝ ኬሚካልን ናውትታት መንፀግን ንክገብሩ ኣይተ ሓጎስ ፀዊዖም ኣለዉ
ኣብ ወረዳ ላዕላይ ፀለምቲ ተራእዩ ዘሎ ዘይተነፀረ ሕማም፣ ምኽንያት ሕማምን ሞትን ኮይኑ ከምዝርከብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ገሊፁ።
ኣብ ወረዳ ላዕላይ ፀለምቲ ጣብያ ደገርባይ ሓሙሽተ ትሕቲ ክልተ ዓመት ህፃናት፣ ኣብ ጣብያታት ምጫራን ዲማን ድማ ክልተ ህፃናት ብድምር 7 ህፃናት ካብ 1 ክሳብ 19 መስከረም 2017 ዓ/ም ብሰንኪ እቲ ዘይተነፀረ ሕማም ከምዝሞቱ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸቡ ምንጭታት ከምዘረድኡ ገሊጹ እቲ ቢሮ ።
ሕሙማት ውፅኣት ፣ተምላስ፣ረስንን ውሽጣዊ ሕበጥ ክሳድን ዝኣመሰሉ ምልክታት ከምዘርኣዩ ዝተረኸቡ ሓበሬታታት ከምዘመላኽቱ ዝገለፀ እቲ ቢሮ፤ እቲ ወረዳ ካብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወፃእ ብምዃኑ ብኣካል ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ጠንቂ ሕማሞም ብምፍታሽ ኣድላይ ሕክምናዊ ሓገዝ ንምግባር ኩነታት ከምዘይፈቕድ ገሉፁ።
★ ስደተኛታት ፅዒነን ዝነበራ ክልተ ጀላቡ ኣብ ገማግም ጅቡቲ ከምዝጠሓላ ተሓቢሩ ።
እተን ጀላቡ 310 ሰባት ሒዘን ካብ የመን ከምዝተበገሳ ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ እንትበፅሕ ድሕሪ ምግልባጠን ብውሕዱ ሽዑ ንሽዑ 45 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 115 ብሂወት ኣድሕን ክተርፉ ክኢሎም እዮም ፣ 61 ሰባት ግና ዛጊድ ሃለዎቶም ጠፊኡ ከምዘሎ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
እቶም ስደተኛታትን ካብ ኣፍሪካ ዝመጹ ስደተኛታትን ዝጥቀሙሉ ኣዝዩ ሓደገኛ ጉዕዞ ኮይኑ ኣብዚ መስመር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ካብ ሶማልያ ዝመጸት ጃልባ ኣብ ደቡባዊ ገማግም የመን ኣብ ዝርከብ ወሽመጥ ዓደን ድሕሪ ምግልባጣ ፡ ብውሕዱ 56 ሶማላውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 140 ድማ ደሃዮም ከም ዝጠፍኡ ይዝከር። ካብቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ 31 ደቂ ኣንስትዮን ሽዱሽተ ህጻናትን ይርከብዎም ክብል ድማ ኦል ኣፍሪካ ሓቢሩ ።
★ “ኣብ ሞንጎና ሓርፊፉ ዝነበረ ርክብ ናብ ንቡር ክምለስ ብሙሉእ ልቢ ክንሰርሕ ተረዳዲእና ፕረዚደንት ኣይተ ጌታቸው ረዳ”
ልኡኽ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ” ኣብ ምውሓስ ፀጥታ፣ ምርግጋፅ ሰላምን ልምዓትን ኣብ ዘኽእሉ ኣጀንዳታት “ምስ ፕረዚደንት ክልል ዓፋር ሓጅ ኣወል ዓርባን መሳርሕቶምን ተራኺቡ ከምዝዘተየ ተገሊፁ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ መራኸቢኦም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ” ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዝነበረ ታሪኻዊ ሕውነታዊ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስን ሓባራዊ ፀጥታ፣ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅን ኣብ ዘኽእሉ ኣጀንዳታት ምይይጥ ኣካይድና’ለና” ኢሎም።
“ኣብ ሞንጎና ሓርፊፉ ዝነበረ ርክብ ናብ ንቡር ክምለስ ብሙሉእ ልቢ ክንሰርሕ’ውን ተረዳዲእና’ለና:: “ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው “ርክብ ህዝብ ንህዝቢ ቀልጢፉ ክጅምር፣ ካብ ክልቲኡ ወገን ብግጭት ምኽንያት ዝተፈናቐሉ ዜጋታትና ናብ መንበሪኦም ክምለሱ፣ ዝተዓፀው መገድታት ክኽፈቱ “ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ገሊፆም።
ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብተወሳኺ “ጠጠው ዝበለ ምድግጋፋት ክጅምሩ፣ ብክልቲኡ ወገን ምርድዳእ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይኹን ኣብ ዓፋር ሕቶ ዘለዎም ፓለቲካዊ ውዳበታት ናብ ማኣዲ ሰላም ኣብ ዝምለስሉ መገዲ’ውን ብሓባር ክንሰርሕ ኣብ ምርድዳእ በፂሕና ኣለና” ኢሎም።
“ከምኡ’ውን ደረቕ ገበን ፈፂሞም ካብ ሓደ ክልል ናብቲ ካልእ ንምሕባእ ዝፍትኑ ተጠርጠርቲ ብሕጋዊ ኣግባብ ዝተኣናገድሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣርን ሓፈሻዊ ምርድዳእ”ተበፂሑ ምህላው ዝገለፁ እቶም ፕረዚደንት” ንኣፈፃፅማ እዚ ምርድዳእ በቢብርኩ ዘለው ናይ ስራሕ ሓለፍቲ በቢጊዚኡ እናተራኽቡ ንግብራውነቱ ክሰርሑ”ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ገሊፆም



Leave a Reply