ኣብ ሱዳን መዓስከር ተነድባ ኣብ ከቢድ ስቕይ ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩ ሰላማዊ ሰለፊ ኣካይዶም።
እኹል ሕክምናን መድሓኒትን ብዘይምህላው መዓልታዊ ኣብ ምሟትን ከቢድ ስቓይን ዘለው እቶም ስደተኛታት ተጋሩ ትማሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወፅሉ ምኽንያት ውድብ ምግቢ ዓለም/WFP/ቅድሚ ሕጂ ብዓይነት እናቕረቦ ዝፀንሐ ሓገዝ ኣዝዩ ክንክይ ብምውሳኑ ስዒቡ እዩ ።
ቅድም ክብል እቲ ብጥረ ገንዘብ 14900 SDG ናይ ሱዳን ዑምላ ወይካዓ $2.5 ዶላር ክወሃብ ብምውሳኑን እቲ ሓገዝ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነከየ ብምኻዱን እቲ ሎሚ ተወሲኑ ዘሎ መጠን ገንዘብ እውን ምሰቲ ናይቲ ዓዲ ናህሪ ዕዳጋ ኣብ ግምት ዘየእተወን ንሓደ ወርሒ ምንባር ስለ ዘይካኣልን ይመዓራረ ብምባል ተቓውምኡ ብሰልፊ ገሊፆም ።
ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ WFP፣ UNHCR፣ CORን ማሕበረሰብ ዓለምን ፀገምና ንክትፈልጡልናን ፀገምና ተረዲእኹም ህፁፅ ምላሽ ክትህቡናን ኣለኩም ክብል ምሕፅንትኡ ኣቕሪቡ።
ብሰንኪ ወራር ፅንተት ካብ ምዕራብ ትግራይ ተሰዲዶም ኣብ ሃገረ ሱዳን ዘዕቆቡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁፀሩ እቶም ስደተኛታትት ጥሜት፡ዕርቃን፡ ስደትን መከራን ይኣኽለና ናብ መረበትና ምለሱና ክብሉ ብተደጋጋሚ ድምፆም የስምዑ ኣለው።



Leave a Reply