ንሕና በዝሕና ልዕሊ ሓደ ሽሕን ክልተ ሚእትን ዝኾንና ካብ ኩሉ ከባብታት ትግራይ ተወኪልና ዝመፃእና፤ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ትግራይን ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ወራር ኮይኑ ሕዚ ‘ውን ጄኖሳይድ ዝፍፀመሉ ዘሎ ህዝብና፣ ሓራ ዘይወፅአ ልኡላዊ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣትና፣ ካብ መረበቱ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና፣ ብሄራዊ ረብሓታትን፣ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ህልውና ኣብያተ ምኽርና፣ ኩነታት ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት፣ ህልውና ሰራዊትና፣ ሰላምናን ፀጥታናን፣ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ከምኡ ‘ውን ኣገደስቲ ኣብ ዝበሃሉ ካልኦት ተዛመድቲ ዋኒናት ሎሚ 17 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ዕዉት ህዝባዊ ኮንፈረንስ ዘካየድና ተሳተፍቲ፤ ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይድና ኢና።
ካብ’ዚ ብምብጋስ ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ህልውና፣ ድሕንነትን ብሄራዊ ረብሓታትን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ዝተጀመረ ቃልሲ ካብ መትከላውን ትካላውን ኣሰራርሓ ወፅኡ፤ ሕዚ ‘ውን ከም ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ኣናተሳቐና፣ ልኡላዊ ግዝኣትና ተወሪሩ፣ ኣብ ውሽጥን ደገን ኣብ መዕቖቢ ጣብያታት ብጥሜትን ሕማምን ኣናሞትና ስቓይና ተናዊሑ ይቕፅል ኣሎ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ካብ ቅልውላው ናብ ዝሐሸ ኩነታት ከሰጋግረና ዘጣየሽናዮ ግዚያዊ ምምሕዳር መጋበሪያ ፀላእቲ ኮይኑ ሕገ መንግስትናን ብሄራዊ ውዳበታትናን ከፍርስ ሕርጊድ ይብል ኣሎ። ኣብ’ዞም ዝተገለፁን ካልኦትን ዓበይቲ ዛዕባታት ትግራይ ዓᎁቕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ ኣብ’ዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ውሳነታት በፂሕና ኣለና፤
- ህዝቢ ትግራይ ናብ መኸተ ዝኣተወሉ ምኽንያት ዘይተኣደነ ናይ ውሽጢ ኢትዮጵያን ግዳምን ሓይሊ ፅንተት ተኣኪቦም ከብርስዎ ስለ ዝወፈሩ ህዝቢ ትግራይ ድማ ሃለዋቱ ናይ ምርግጋፅን ዓርሱ ናይ ምክልኻልን ተፈጥሮኣዊ መሰል ስለ ዘለዎን እዩ። ነዚ ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ዘይወሓጠሎም ሓይልታትን ተለኣኣኽቶምን ክፍጠር ዝደልዩዎ ዘለው ናይ ክሕደትን ምድንጋርን ሃዋህው ፈፂምና ከም ዘይንቕበሎ እናረጋገፅና ከም ህዝቢ ብሄራዊ ልኡላውነቱ ንክኽበረልና፣ ንዝተፈፀመና ጄኖሳይድ ፍትሒ ንኽረጋገፀልና፣ ንዝዓነወን ዝተወረረን ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ሃፍትና ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ንኽረጋገፀልና ሎሚ እውን ከም ትማሊ ሓድነትና ኣስጢምና ሰለማውን ሕጋውን ቃልስና ክነሐይል ወሲንና ኣለና።
- ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሳላ ሓድነትና ኣስጢምና ከም ህዝቢ መኪትና ብዝኸፈልናዮ ኩለመዳይ ገዚፍ መስዋእቲ ዝተፈረመ እዩ። ጄኖሳይዳዊ ኲናት ደው ኣቢሉ ረብሓ ትግራይን ተጋሩን ብሰላማዊ፣ ሕጋውን ፖለቲካዊ ልዝብን ንክኽበር ዕድል ስለ ዝኸፈተ ከም ህዝቢ ከም መቃለሲ ዝተቐበልናዮ ኮይኑ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቃሉ ኣኽቢሩ እቲ ስምምዕ ብምፍፃም ናብ ካልኦት ናይ ልምዓትን ሰላምን ዋኒናት ክንሰግር ዘኽእል ግቡኡ ብዘይምውፅኡን ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ዝሓዙ ኣመራርሓ ብዘርአይዎ ካብ ዕላማ ናይ ምውፃእን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘይእዋናውንን ዘይንፁራትን ከፋፈልቲ ኣጀንዳታት ናይ ምፅማድ ተግባርን እቲ ስምምዕ በይናዊ መሳርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ምዃን ተሰጋጊሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዉ ኩለመዳያዊ ፀገማት እናተናወሐን በቢ መዓልቱ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ እናዓበየን ይኸይድ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ፖለቲከኛታት ትግራይ፣ መላዘብቲ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፣ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ዝምልከቶም ኩሎም ኣካላትን ንቲ ስምምዕ ዝግብኦ ትኹረት ብምሃብ ንክፍፀም ዘድሊ ኩሉ እወንታዊ ድፍኢት ክገብሩን ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ደው ከብሉ፤ ከምኡ ‘ውን ኣብዚ መዳይ ይርአ ንዘሎ ጥፍኣት ተሓታትነት ክረጋገፀሉን ቃልስና ክነሐይል ወሲንና ኣለና።
- ዓንዲ ሑቐ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኩሉ ነገር ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበሮምምላስ እዩ። ይኹን እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ ዘይደለየ ሕዚ እውን ኣብ ትሕቲ ወራር ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ፅንተትን ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ብቓልሱ ኣረጋጊፅዎ ዝነበረ መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ተመንጢሉ፣ ናብ ብሄራዊ ጭቆና ተመሊሱ ደቁ እታ ዝርካባ ትምህርቲ ብቋንቆኦም ከይመሃሩ ተኸልኪሎም ይርከቡ። መናእሰይ ኣደዳ ስደትን መከራን ይኾኑ ኣለው። ወገንና ኣብ ውሽጢ ዓፈና ኮይኑ የካይዶ ንዘሎ ቃልሲ ዘለና ልዑል ክብሪ እናገለፅና እዚ ኩነታት ዝልውጥ ስራሕቲ ክስራሕ ንዝምልከቶ ኩሉ እናዘኻኸርና ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ንምግባር ወሲንና ኣለና።
- ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ካብ ዝርከቡ ከባብታት ትግራይ ንሞት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጨፍጫፋትን ፆታዊ ዓመፃትን ሓሊፎም ዝመፅኡ ተፈናቐልቲ ሕዚ እውን ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣይክኣሉን። ናብራ ሓሳረ-መከራ ንዓመታት ክደፍኡ ተገዲዶም ኣለው። ናይ ግፍዒ ግፍዒ ድማ ኣብ ትሕቲ መፅነትቶም ናብ ዘሎ መረበቶም ብዘይ ዝኾነ ሓለዋ ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ ንክምለሱ ናይ ይምሰል ፃውዒት ሓሓሊፉ ክግበር ፀኒሑ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተመዛቢሉን ተሰዲዱን መሬት ትግራይ መዐንደሪ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ዝኸውን ፀኒሑ እዩ። እዚ ኩነታት ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ክልወጥ ዝግብኦን እዩ። ስለ ዝኾነ ከም ተጋሩ ሓድነትና ብምስጣም ኣብ’ዚ ጉዳይ ክንረባረብ እናፀዋዕና ግቡእና ከም እንዋፃእ ነረጋግፅ።
- ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ዓንዲሑቐ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብሕገ መንግስቲ መሰረት ነገራት ናብ ቅድሚ ኲናት ዝነበሩዎ ምምላስ እዩ። እዚ ድማ ዓርሰ ምሕደራን ሓበራዊ ምሕደራን ዘጣመረ እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ’ዚ እዋን ትግራይ ትሕቲ ክልል ኮይና እውን ዓርሳ ክተመሓድር ኣይተፈቓደላን። ኣብ ሓበራዊ ምምሕዳር ዝኾነ መንግስቲ ፌደራል እውን ምንም ዓይነት ተሳትፎ ኣይብላን። እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይ ብዘይተወከለሎም ትካላት በይናዊ ሕግታት ብምውፃእ ንትግራይ ዝጎድኡ ተግባራት ይፍፅም ኣሎ። እዚ ፀገም መዓዝ ከም ዘብቅዕ ብንፁር ዘርኢ ምንቅስቓስ እውን የለን። ብሓፂሩ ሕገ መንግስታዊ ምውህሃድ ኣይተፈጠረን። ብሰንኪ እቲ ዝተፈጠረ ኲናት ሕዚ እውን ብዘይኣግባብ ዝተኣሰሩ፣ ካብ ስርሖምን መነባብርኦምን ዝተባረሩ፣ ሃፍቶም ዝተመንጠሉን ካልኦት ዓይነት በደላት ዝበፅሖምን መፍትሒ ዘይረኸቡን ተጋሩ ኣለው። እዞም ፀገማት ክቕፅሉ እናገበሩ ዝርከቡ ኣካላት ክእረሙ ቃልስና ክነሐይል ወሲንና ኣለና።
- ኣካል ምፍፃም ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኮይኑ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብህዝባዊ ኮንፈረንስ ንፁር ተልእኾታት ተዋሂቦምዎ ዝተጣየሸ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ቁልፊ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝተቖፃፀሩ ሰባት ንትግራይ ብኽልተ መንገዲ እናጎድኡዋ ይርከቡ። ብሓደ ወገን እቲ ምምሕዳር ተቖፂሮም ዝተውሃብዎ ተልእኾታት ምኽባር ሰላምን ድሕንነትን፣
- ምርግጋፅ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን፣ ምፍፃም ስምምዕ ፕሪቶሪያ፣ ተሓታትነት ጄኖሳይድ ንኽረጋገፅ ዘኽእል ስራሕቲ ምስራሕ ከምኡ ‘ውን ኣብ ሓፂር እዋን ብህዝቢ ናብ ዝተመረፀ ክልላዊ መንግስቲ ንምስግጋር ዘኽእል ምችው ኩነታት ምፍጣር ክፍፅም ኣይከኣለን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ካብ ዝተውሃብዎ ተልእኾታት ብተቓራኒ መንገዲ እናተጓዓዘ ሰላምናን ፀጥታናን ንምዝራግ ንዓመፅ እናሰርሐ፣ ጄኖሳይድ ዝፈፀሙልና ኣካላት ፈቲሑ እናሰደደ፣ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ስርዓት ወፃእ ንሓደ ወገን ጥራሕ ኣሕሊፉ እናሃበ፣ ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ዝተረኸበ ውሱን ሃፍቲ ንህውከትን ዕግርግርን ኣናበተነ፣ ናብ ዝተመረፀ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ምስግጋር ስልጣን ኣብ ምድልዳል ተፀሚዱ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት የእትወና ኣሎ።
- ካልእ መዳይ ድማ እቲ ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ዘሎ ቁልፊ ኣመራርሓ ሰራዊትናን ካልኦት ዓቕምታት መኸተናን ዘዳኽም፣ ብሄራዊ ሓድነትና ዝብትን፣ ከምኡ ‘ውን ዕድላትን ዓቕምታትን ትግራይ ዘጥፍእ ንህልውናናን ድሕንነትናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ተግባራት ኣብ ምፍፃም ይርከብ። ስለ ዝኾነ ብሄራዊ ክሕደት ዝፍፅሙ ዘለዉ ኣካላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ናይ ጥፍኣት ተግባሮም ክቑጠቡ እናፀዋዕና፤ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘጣየሹ ኩሎም ኣካላት ኣብ ጥፍኣት ዝሳተፉ ንዘለዉ ወይ ድኹም ኣፈፃፅማ ንዘርኣዩ ኣባላቶም ኣውሪዶም ብቕዓትን ተኣማንነትን ብዘለዎም ሰባት ክትክኡ፤ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤኡ ዘካየደ ህወሓት ድማ 50%+1 ብፅሕቱ ብምምዕርራይ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከጠናኸርን ካብ መጋበሪያነት ተናጊፉ ንረብሓ ትግራይ ዝሕለቕን ዝሰርሕን ብምግባር ከም ህዝቢ ናብ ዝተመረፀ መንግስቲ ንምስግጋር ዝሕግዙና ስራሕቲ ክዓምም ቃልስና ክነሐይል ወሲንና ኣለና።
- ብሄራዊ ውዳበታት ህዝቢ ትግራይ ንምድስካልን ትግራይ ንምድኻምን ዝግበሩ ዘለዉ ውዲታት ዋላ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ እውን ደው ከም ዘይበሉ እናተዓዘብናዮ ዝመፃእና ሓቂ እዩ። ናይዚ ሓደ መርአዪ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነት ውድብ ህወሓት ናብ ዝነበሮ ምምላስ ዝምልከት እዩ። እዚ ጉዳይ ናይ ሓደ ውድብ ዋኒን ጥራሕ ዘይኮነስ ንታሪኽን መስዋእትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፣ ንመኸተናን ብሄራዊ ረብሓናን ዝምልከት ዓብዪ ዋኒን ብምዃኑ ኣብዚ መዳይ ብወገን ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ቅንዕና ዝጎደሎ ኣካይዳ ንኽእርምን ብመስረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ፖለቲካዊ ልዝብ ክጠናኸር ብምግባር ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ንኽምለስ እንገብሮ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ክነሐይል ኢና። ካብ’ዚ ብተወሳኺ እቲ ብሄራዊ ክሕደት ዝፍፅም ዘሎ ጉጅለ ብመስዋእትነትና ዝሃነፅናዮ ውድብ ብምፍራስ ህወሓት ንምድቓል ዝገብሮ ዘሎ ውዲት ብፅንዓት ክንቃለሶ ወሲንና ኣለና።
- ስምምዕ ፕሪቶሪያ ድሕሪ ደው ምባል ተፃብኦ ብቐጥታ ናብ ፖሊቲካዊ ልዝብ ተኣትዩ መሰረታዊ ምኽንያታት እቲ ኲናት ክንፀርን ዘላቕነት እቲ ሰላም ዘረጋግፁ መፍትሕታት ክቕመጡን እዩ ዝጠልብ። እንተኾነ ግና እዚ ረዚን ግቡእ ክልቲኦም ወገናት ክሳብ ሕዚ ዋጋ ኣይወሃቦን ዘሎ። ኣብ መሰረታዊ መፍትሒ ዘትኮረ ልዝብ ዘይምጅማሩ ዓብዪን ንኹሉ ዝጎድእን ጉድለት እዩ ኢልና ንኣምን። ፖለቲካዊ ርክባት ክጠናኸሩ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ መሰረታዊ ልዝብ ክኣቱ እናፀዋዕና ከም ህዝቢ ክንገብሮ እንኽእል ኩሉ ንምግባር ወሲንና ኣለና።
- ኣብ ልዕሊ ደቂ ትግራይ ዝወረደ ብግዳማውያን ሓይልታት እውን ዝተሓገዘ ጨፍጫፍ ገዚፍ ስራሕ ኣብ መዳይ ምርግጋፅ ፍትሒ ከም ዝጠልብ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር ብሽም መሰጋገሪ ፍትሒ ተሸፊንካ ናይ ምሕላፍን ኢሉ እውን ሓላፍነት ናብ ካልእ ናይ ምግልባጥ ምንቅስቓስ እዩ ጎሊሁ ዝመፅእ ዘሎ። ስለዚ ተሓታትነት ኣይተረጋገፀን፣ ናይ ምርግጋፅ ድልየት እውን የለን። ንዝተጎድኡ ዝተውሃበ ካሕሳ የለን። ኣብ ክንድኡ ሃፍቲ ትግራይ ብዘይኣግባብ ይጉሕጓሕ ኣሎ። ትግራይ ክትረኽቦ ዝግባእ እውን ኣይትረክብን ዘላ። እዚ ተቐባልነት ዘይብሉ ኩነታት ብቕልጡፍ ክልወጥ ዘኽእል ሰላማዊ ቃልሲ ንምክያድ ወሲንና ኣለና።
- ናይ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምልማዕ መሰል፣ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ትግራይ፣ ንህዝብና ዝግባእ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናብ ዝነበሮ ምምላስን ዝኣመሳሰሉን መሰረታዊ ዋኒናት ንጎኒ ተገዲፎም ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ኣካይዳ ብሰፊሑ ይርአ ኣሎ። ፀላእቲ ኣተኣኻኺብካ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ትግራይን ብመልክዕ ተፃባኣይ ፕሮፖጋንዳን ተግባርን ምውፋር ከም ዓብዪ ቁምነገር ተወሲዱ ይስርሐሉ ኣሎ። ዘይግቡኣት ኢድ ምትእትታዋት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዝተፈላለዩ መልክዓት ዘለዎም ትግራይ ናይ ምህዋኽ ተግባራትን ጉድለት ቅንዕናን ብጋህዲ ይትግበሩ ኣለው። እዚ ኣካይዳ ንዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ዝጎድእ፣ ዘይሃናፅን ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፃረርን ተግባር ደው ንምባል ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ንምግባር ወሲንና ኣለና።
- ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ድሕንነት ህዝብና ምስተረጋገፀን ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ምስ ወፅኡን ዲዲኣር ክፍፀም ዘለዎ እኳ እንተኾነ፤ ብሽርሒ ሰራዊት ትግራይ ናይ ምፍራስ ውዲታት፣ ጅምላዊ ፀለመታትን ክስታትን እንትቐርቡ ንዕዘብ ኣለና። ሰራዊት ትግራይ ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ካብ ምርግጋፅ ወፅኡ መሳርሒ ውልቀሰባትን ምልኪን ንክኸውን ሰፊሕ ምንቅስቓስ ከም ዝነበረ ናይ ኣደባባይ ሚስጥር እዩ። ሰራዊት ትግራይ ሕገ መንግስቲ ትግራይ ንክኽበር ከይገብር፣ ንሰላምን ሓድነትን ዝዘርጉ ናይ ዕጡቓት ምንቅስቓሳት ስርዓት ከየትሕዝን ሰብኣዊ መሰላት ንክረጋገፁ ከይሰርሕን ከበድቲ ዕንቅፋታት እናገጠሙዎ ከም ዝመፁ እንርድኦ ጉዳይ እዩ። ካብ’ዚ ብተወሳኺ ድማ ሰራዊትና ብምፍራስ ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሕወስን ሰራዊት ኢትፆጵያ ናብ ትግራይ ክኣቱን ዝግበር ውዲት ንዕዘብ ኣለና። ስለ ዝኾነ እዞም ሽርሕታት ደው ክብሉ ብምግባር ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዘረጋግፅ ቅኑዕ ቃልሲ ንኽካየድ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ በፂሕናን ወሲንናን ኣለና።
- ህዝቢ ትግራይ መሪር መስዋእቲ ካብ ዝኸፈለሎም ዕላማታት ሓደ ዓርሱ ብዓርሱ ንከመሓድር እዩ። ዝተመረፀ መንግስቲ ምውናን መሰረታዊ መሰልን ረብሓና ዘረጋግፅን እዩ። ኣብዚ መዳይ ዝርአ ዘሎ ቀዲሞም ክፍፀሙ ዘለዎም ትሕዝቶታት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘይምፍፃም፣ ዘድልዩ ምድላዋት ዘይምግባርን ምኽኒታት እናፀፍፀፍካ ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ድሌትን ከበድቲ ጉድለታት ግዝያዊ ምምሕዳር እዮም። ስለ ዝኾነ እዚኣቶም ክልወጡ ዘኽእል ሰላማዊ ቃልሲ ንምግባር ወሲንና ኣለና።
- መረጋገፂ ልኡላውነት ህዝብናን ሕገ መንግስታዊ መሰልናን ዝኾና ኣብያተ ምኽሪ ውረዳታት፣ ከተማታት፣ ክፍላተ ከተማን ጣብያታትን ንምፍራስ ይኹን ብሽም ምጥንኻር ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተውሃበን ስልጣንን ተግባርን ንምሽርራፍ ዝግበር ዝኮነ ዓይነት ምንቅስቓስ ፍፁም ተቐባልነት ኣይብሉን። ስለ ዝኾነ ብመስዋእትና ዝተኸልናዮ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክኽበርን ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዘለዋ ኣብያተ ምኽሪ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣትዋ ከም ዘይንፈቅድን ወሲንና ኣለና። ሕገ መንግስታዊ ስልጣን ህዝቢ ንምምንጣል ብሽም ኣማኻሪ ካውንስል ዝስናዕ ዘሎ ምትእኽኻብ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ እናረጋገፅና፤ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝተውሃብዎ ተልእኾታት ወፃእን ኣብዘይ ስልጣኑን ዝህቦም ውሳነታት ፍፁም ዘንቕበል ምዃንና እናረጋገፅና ንሱ ብዝልእኾም ምስለኔታት ከም ዘይንመሓደር ነፍልጥ።
- ንውጉኣትና፣ ንስድራ ስውኣትናን ኣብ መኸተ ንዘለዉ ሓይልታት ትግራይን ዘድሊ እታወታት ክማልአሎምን ዝግባእ ድጋፍ ክግበረሎምን ዝወሰንና እንትንከውን ብኣና ወገን ክግበር ዝግብኦ ንምግባር ድሉዋት ምዃንና ነረጋግፅ።
- ብሽም ከባብን ካልኦት ድሕረታትን ተሸፊኖም ዝመፅኡ ሓድነት ህዝብና ዝብትኑ ፕሮፖጋንዳታት፣ ፀለመታትን ኣፍረስቲ ተግባራትን ብትረት ክንቃሶም ኢና። ካብ’ዚ ብተወሳኺ ቀዳምነት ንሰላም፣ ንልዕልና ሕጊ፣ ንሓቂ፣ ንህዝባውነትን ፍትሓዊ ተረባሕነትን ዝህብ ፖለቲካ ኣብ ትግራይ ክዕንብብ ክንሰርሕን ኣንፃር እዚ ደው ንዝበሉ ሓይልታት ብሓሳብ ክንስዕርን ወሲንና ኣለና።
- ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ንህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ከባቢናን ገምጊሞም፤ ኣብ ብሄራዊ ረብሓታትና፣ ሕገ መንግስቲ ትግራይ፣ ኣብያተ ምኽርና፣ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፣ ህወሓት፣ ሰራዊት ትግራይ፣ ግዚያዊ ምምሕዳርን ካልኦት ጉዳያትን ኣመልኪቶም ብዕለት 15/05/2017 ዓ.ም ዘመሓላልፍዎም መደምደምታታትን ውሳነታትን ሙሉእ ብሙሉእ ዝተቐበልናዮም ኮይንና ንተግባራውነቶም ብሓባር ክንቃለስ ውሲንና ኣለና። ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ተሸጒጡ ብሄራዊ ክሕደት ዝፍፅም ዘሎ ሓይሊ “ኣመራርሓ ኮር ዝብሃል የለን” ኢሉ ሕዚ ‘ውን ተወሳኺ ክሕደት ክፍፅምን ንውሳነታት ሰራዊትና ከናእስን ንሰምዕ ኣለና። እዚ ጉጅለ መቋረፂ ካብ ዘይብሉ ተግባራት ጥፍኣት ተቖጢቡ ብቕልጡፋ ካብ ሓላፍነት ንኽወርድ ብጥብቂ ነተሓሳስብ።
- ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ኮነ ውድብ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ትማሊ፣ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ሰላም መትከላዊ መርገፂኦም እዩ። ከም ክልል ሰላም ንደሊ፤ ኣብ ሃገር ሰላም ንምነ፤ ምስ ኩሎም ጎረባብትና ድማ ብሰላምን ራህዋን ክንነብር ንደሊ። ስለ’ዚ ኩሎም ብሄራዊ ረብሓታትና ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብሄራዊ ሓድነትና ብምጥንኻር ከም እንቃለስ ነረጋግፅ።
ኣብ መወዳእታ ከም ህዝቢ ውዳበታትና ብምስጥጣም ትግራይና ንምድሓን ክንገብሮ ዝግብኣና ኣድላዪ ዘበለ ሰላማዊ፣ ፖለቲካውን ሕጋውን ቃልስና ክነሐይልን ብሄራዊ ሓድነትና ክነስጥምን ዝወሰንና ምዃንና እናረጋገፅና፤ ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትነብር ህዝብና፣ መላእ ሰራዊትና፣ ፖለቲካውን ሲቪላውን ውዳበታት ትግራይ፣ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ማሕበረ ሰብ ዓለም፤ ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ራህዋን፣ ዕቤትን ዲሞክራስን እንተኾነ ‘ውን እዚ ህዝቢ ባህግታቱ ተኾሊፉ፣ ጄኖሳይድ ተፈፂምዎ፣ ልኡላዊ ግዝኣቱ ተወሪሩ ኣብ ትሕቲ ባርነት ይነብር ምህላዉ ተገንዚብኩም ሰብኣዊ ክብሩን መሰላቱን ብቕልጡፍ ንኽረጋገፀሉን ፍትሒ ንኽረክብን ሓላፍነትኩም ንኽትፍፅሙ ንፅውዕ።



Leave a Reply