“ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ብግፍዒ ዝሰኣንናዮ ኣፍደገ ባሕሪ ምምላሱ ኣይተርፍን” ክብል ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኮማንደር ተገኝ ለታ ተዛሪቡ። ኢትየጽያ ዘቕረበቶ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕቶ ምምላስ ንኢትዮጽያ ሓዊሱ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንምስፋን ዝለዓለ ኣበርክቶ ከምዘለዎ እውን እቲ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ገሊፁ እዩ።
ኮማንደር ተገኝ ለታ ንዚ ዝገለፀ ኣብ 8 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ብምትሕብባር ኢንሰቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ፣ ኮሌጅ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያን ዩኒቨረሲቲ ሰመራን “ስትራቴጂካዊ ነፃነት ኢትዮጵያን ክልቲኦም ስርዓታት ማይን፤ ስትራተጂካዊ ኣስተዋፅኦ ክልል ዓፋር ኣብ ምትእስሳር ኣባይን ቀይሕ ባሕርን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዩኒቨረሲቲ ሰመራ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስመዐ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኮማንደር ተገኝ ለታ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላዋ ኣብታ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝህልዎ ኢኮኖሚያዊ ፣ ፖለቲካዊ ፣ወታሃድራዊ ሳዕቤን እውን ምርዳእ ግቡእ እዩ ዝበለ እንትኾን ጉዳይ ወደብ ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስታዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ከምዘሎ ብምጥቃስ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ቀጠንኡን ዘለው ጂኦ ፖለቲካዊ ለውጥታት ኢትዮጵያ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ሕቶ ቀዳማይ ብሄራዊ ኣጀንዳ ክትገብሮ ዘገደዱ ምኽንያታት ከምዝኾኑ ጠቒሱ እዩ።
ብዚ ድማ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጽያ እንድሕር መዕለቢ ከይረኸበ ዝቕፅል ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚያውን ፓለቲካውን ዘይምርግጋዕ ንክፍጠር ኣበርክቶ ምግባሩ ዘይተርፍ ምዃኑ ብምምልኻት ክመፅኡ ይኽእሉ እዮም ዝበሎም ኣሉታዊ ውፅኢታት እውን ኣመላኺቱ እዩ።
ካብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጀሚሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ነዚ ጉዳይ ካብ ዘልዐለሉ እዋን ጀሚሩ ካብ ኣብ ኣደባባያት ብዝካየዱ ወታሃድራዊ ምርኢታት ጀሚሩ ክሳብ ብዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝገብርዎ መደረታት ዘጠቓለለ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሰራሕቲ እናካየደ ምምፅኡ ዝዝከር እንትኾን ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ድማ ብርክት ዝበለ ሰራዊትን ኣፅዋርን ናብ ዓፋር ምንቅስቓስን ነዚ ዝድግፉ ፕሮፖጋንዳዊ ስራሕትታት ብመንግስታዊ ሚድያታቱ ኣቢሉ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት መደረታት ክገብሩ ምርኣይ ልሙድ እናኾነ ይርከብ።



Leave a Reply