በብዓመቱ ልዕሊ 70 ሽሕ ህይወት ወላድ ኣዶታት እናቐተለ ዝርከብ እንትኾን ኮይኑ ግና ክሳብ ሐዚ ንሳይንትስት ግራ ዘእተወ ጉዳይ ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ ።
ሸውዓተ ሜዳልያታት ኦሎምፒክ ዘሸነፈት፣ ተዓዋቲት14 ሻምፕዮና ወርቅን ናይ ዝኾነት ኣሊሰን ፊሊክስ ኣብ እዋን ጥንሲ ከላ ዘጋጠማ ፀቕጢ ደም ንኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ከምዚ ዝስዕብ ተዳህሲሱ ኣሎ።
ፊሊክስ ስፖርተኛ ከም ሙዃና መጠን ፅቡቕ ዝበሃል ናይ ሰውነት ቁመና ዝነበራ ስለዝነበረት ናይ ወሊድ ከይዲ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ክኾን ከምዝተፀበየት እያ ትዛረብ ይኹን ድኣ እምበር ፊሊክስ መበል32 ሰሙን ናይ ጥንሲ ክትትል እንትትገብር ብልዑል ፀቕጢ ደም ዝተላዕለ ናይ ኣካል ጉድኣት ዘስዕብ ሓደገኛ ዝኾነ ፕሪ ኤክላምፕሽያ (ምስ ጥንሲ ተታሓሒዙ ዝፍጠር ልዑል ፀቕጢ ደም) እዩ ተረኺቡዋ ብደሕሪኡ ድማ ብቑልጡፍ ሆስፒታል ኣትያ ኽትትል ክትገብር ከምዘለዋ ተነጊርዋ ። ድሕሪ እዚ ድማ ብናይ ዶክተር ሓገዝ ብመጥባሕቲ ክትወልድ ከም ዝኻኣለትን እታ ህፃን ድማ ኣብ ኣብ ናይ ህፃናት መፅንሒ ኣትያ ብዝተገበረላ ክትትል ከም ዝደሓነት የመልክት።
ፊሊክስ ሰብ ሞያ ሕክምና ልዑል መጠን ፀቕጢ ደም ከምዘለዋ ክሳብ ዝነግርዋ ሓደሓደ እዋን ኣብ እግራ ካብ ዘጋጥማ ምሕባጥ ወፃኢ ካልእ ተጓንፎ ሰለ ዘይነበራ ከምዚ ክኾን ኣይሓሰበትን ነይራ። ፊሊክስ ከምዕድል ኮይኑ ግን ጓላ ሓቒፋ ክትስዐም ምኽኣላ ሑጉስቲ ሙዃና እያ ተገልፅ ምኽንያቱ ከምኣ ተመሳሳሊ ፀገም ዘጋጠመን ኣዴታት ብሰላም ወሊደን ሓቒፈን ክስዕማ ከምዘይተዓደላ ስለ ዝሰምዐት።
ፕሪ ኤክላምፕሺያ እንታይ እዩ?
ልዑል መጠን ፀቕጢ ደም (ፕሪ ኤክላምፕሽያ) ኣብ እዋን ጥንሲ ወይ ድማ ኣብ እዋን ወሊድ ዘጋጥም ከቢድ ፀገም ጥዕና እዩ። ፕሪ ኤክላምፕሽያ ኣብ ዓለምና በብዓመቱ ብልዑል መጠን ፀቕጢ ደም ብዝመፅእ ስትሮክ ምኽንያት ንልዕሊ 70,000 ወላድ ኣዴታትን ንልዕሊ 500 ሺሕ ጥንስታትን ምኽንያት ሞት ኾይኑ ይርከብ። ብዘይ ምንም ቅድመ መጠንቀቕታ ኣብ እዋን ጥንሲ ከጋጥም ዝኽእል ኮይኑ ኣብ ሓደ ሓደ ኣዴታት ድማ ኣብ እዋን ጥንሰን ቅድሚ 34 ሰሙነን ከጋጥም ዝኽእል እንትኾን ሓላሓሊፉ ድማ ድሒሩ ዘጋጥም ሕማም እዩ ። እዚ ሕማም ልዕል ዝበለ መጠን ፀቕጢ ደምን ከም ጉበትን ኩላሊትን ዝበሉ ክፍሊ ኣካላት ብዝበፅሕ ጉድኣት ዘጋጥም ከቢድ ናይ እዋን ጥነሲ ፀገም እዩ።
ኣብዚ ሕማም ምርምር ዝገብሩ ሰብ ሞያ ንምንታይ ከም ዝፍጠር ዝተወሰኑ ፍንጪታት ምፍላይ ክኢሎም እዮም።
እዚ ሕማም ካብ ማህፀን ጀሚሩ ኣብ መንጎ እታ ኣዶን እቲ ጥንስን ዘሎ ርክብ ማለት ኣብ ውሽጢ ማህፀን ነቲ ጥንሲ ዘድልዮ ምግብን ኣየርን ዘቐብሉ ሰራውር ደም መልክዖም ክቕይሩ ብምግባር ብውሽጢ እቲ ህፃን ዝሓለፍ ዝውውር ደም እንትርበሽ ናይታ ኣዶ ኣካል ፀቕጢ ደማ ዝትቆፃፀረሉ ሜላ እውንብምርባሽ ቀስ ብቀስ ናብ ፀቕጢ ደምን ናብ ፕሪ ኤክላምፕሽያ ከም ዘምርሕ ይሕብር ።
ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ኣብ ፕሪ ኤክላምፕሽያ ዝግበር መፅናዕቲ ዝመርሑን ኣብ ኬምብሪጅ ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ዝኾኑ ኢያን ዊልኪንሰን ” ሓንቲ ኣዶ ክትጠንስ ከላ ልባ ነቲ ህፃንን እንግዴን ተወሳኺ ደም ይረጩ” ይብሉ። ኣብ ደቒቓ ልባ ዝረጭዎ ደም ( ጥዑይ ኣብ ዝኾነ ጥንሲ ) ሓደን ፈረቓን ወይ ድማ ክልተ ዕፅፊ ይኾን ” ረጎድቲ ዝኾናን ወይ ድማ ዕድሚአን ካብ 40 ንላዕሊ ዝኾናን ከምኡ እውን ተፈጥሮኣዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ፀገም ዘለወን (autoimmune disorder) ኣዴታት ብዝላዓለ ኩነታት ንግዳይ እዚ ሕማም ከም ዝኾና ደማ ይገልጹ። መንቀሊኡ ድማ ምስ እኹል ዝኾን ኣገልግሎት ጥዕናን ዝተመጣጠነ ምግብን ዘይምርካብ ዝትሕሓዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ይእመን።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ማሳቹሴትስ ባዮሎጂስት ዝኾኑ ዝኾኑ ክሬግ ሜሎ ንፕሪ ኤክላምፕሽያ ንምምርማር ዘኽእል ብናይ ኣሜሪካ መድሓኒት ቁፅፅር በዓል ስልጣን ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ቴክኖሎጂ ኣፋሊጡ ኣሎ። ከምዚ ዓይነት ናይ ሕክምና ቴክኖሎጂታት ብቅልጡፍ ብምምራት ንከምዚ ዓይነት ናይ ጥዕና ፀገማት ንምምርማርን ንምሕካምን ከም ዝሕግዝ ድማ ይገልጹ ።



Leave a Reply