ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ አዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ከጋጥም ከም ዝኽእል ተሓቢሩ።

ኣብ ዞባታት ሰሜናዊ ምዕራብ፣ ምዕራብ፣ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ትግራይ ውሑድ መጠን ዘለዎ ዝናብ ከምዝህሉ ሃገራዊ ቅድመ ግምት ኩነታት ኣየር ኣፍሊጡ።

እቲ ሃገራዊ ቅድመ ግምት ኩነታት ኣየር ሐዚ ቅድሚ ደቓይቕ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ከምዝሓበሮ ኣብ ትግራይ ሎሚ ቕነ እዋኑ ዘይሓለወ ትሑት መጠን ዝናብ ኽወቅዕ ከምዝኽእልን ንዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ስራሕቲ ክውገን ከምዝግባእን ኣገንዚቡ።

ብመሰረት እዚ – እዋኑ ብዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ዝባፅሑ ዝራእቲ ጉድኣት ቅድሚ ምብፅሑ ብእዋኖም ክእከቡ ከምዝግባእ’ውን እቲ ትካል ኣጠኝቂቑ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading