ካብ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ።

ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ሓቀኛ ሰላም’ዩ!!

ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ዘለዎ ግዝያዊ ኩነታት ከምዘሎ ኮይኑ፤ ኣብ መዋእል ታሪኽ ዓለም ዘኹርዕን ነዊሕ ዘበን ዘቑፀረ ስልጣነ ዘለዎን ንዝኾነ ይኹን መግዛእቲ ርኡሱ ኣድኒኑ ዘይቕበል ታሪኽ ዝወነነ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኹ ንሉኡላውነቱን መንነቱን ዝፃብኡ ወረርትን ጨቆንቲ ገዛእትን ተቓሊሱ ዝመከተ ህዝቢ ምዃኑ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ናይ ቀረባ ታሪኽ ኲናት ዓድዋ ከምዘርእዮ ህዝቢ ትግራይ ሕልፊ ሓላፍነትን ፃውራን ተሸኪሙ ወራሪ ጣልያን ንትግራይ ጢሒሱ ከይሓልፍ ጠጠው ኣቢሉ ንናፅነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ፍሉይ ግደ ተፃዊቱ እዩ።

ድሕሪ ስዕረት ወራሪ ጣልያን ህዝቢ ትግራይ ክብሪ ዘይኮነስ ብሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ክውረር፣ ትግራይክትበጣጠስ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ድንቁርናን ድኽነትን ክነብር ተጌሩ። ዋላ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ቀንዲ ተዋሳእቲ እንተነበሩ ሊሂቃን ተጋሩን ህዝቢ ትግራይን ካብ ስርዓት ኢትዮጵያ ክግለሉን ከም ካልኣይዜጋ ክነብሩን ዘይተገበረ የለን። ኮይኑ ግን መግዛእቲ ዘይቕበል ህዝቢ ትግራይ እቲ ዘውዳዊ ስርዓት ክፈርስ ኣብቲ ብልሒ ቃልሲ ተጋሩ ሊሂቃን ብዝለዓለ ብርኪ ብምስታፍ ንሓዱሽ ስርዓት ክውለድ ጌሮም። እቲ ቃልሲ ዝጨወየ ስርዓት ደርጊ ግን ኣብ ክንዲ ናይ መንነት፣ ሰላም፣ ዴሞክራስን ልምዓትን ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ፤ ነቲ ሰላም ቀንዲ ሃረርትኡ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ናብ ተወሳኺ ዕንወትን ድኽነትን ክኣትው ጌሩ፤ ነታ ሃገር ‘ውን ናብ ዝተናውሐን ትውልዲ ዘብረሰን ኲናት ኣእትይዋ። ንስርዓት ለውጢ ዝተቓለሰ ህዝቢ ትግራይ መሰሉን ክብሩን ከልኪልዎ።

ህዝቢ ትግራይ ንዝበፅሖ ጭቆናን ግፍዕን ተዳዕኒኑ ክፆሮ ስለዘይከአለ፤ ንስርዓት ደርጊ ‘ውን ምስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ተቓሊሱ ብምስዓር ስርዓት ሕገመንግስታዊ ፌደራሊዝም ክትከል መተካእታ ዘይብሉ ግዲኡ ተፃዊቱ እዩ። በዚ’ውን ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ መንነቶም ክፍለጥን ንፋስ ሰላም፣ ዲሞክራስን፣ ልምዓት ክሪኡ ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ካሊእ ታሪኽ ፅሒፉ እዩ። ይኹን እምበር ነዚ ከይዲ ዝቐየረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝባን ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይድ ኣዊጁ ብዙሕ ክሳራ ክበፅሖን ሰፍ ዘይብል ዋጋ ክኸፍልን ገይሩ እዩ። ኣብዞም ኩሎም ከይድታት ህዝቢ ትግራይ ዘይቀያየር ንሰላም፣ ዴሞክራስን ልምዓትን ዘለዎ ድልየት፤ ንመንነቱ ዘይዋገን ኩሉ ዋጋ ዝኽፍል ምዃኑ ዘርኣየ እዩ። ኮይኑግን ህዝቢ ትግራይ ምእንቲ ሰላም፣ ሓድነት፣ ፍትሕን ናይ ሓባር ተረባሕነት ኢሉ ‘ውን ስርዓት ክህነፅ ከበድቲ መስዋእቲ ዋላ እንተኸፈለ ባህጋታቱ ክረጋገፀሉ ኣይከኣለን።

ህዝቢ ትግራይ ዝገበሮም ኣንፃር ወረርቲን ጨቆንቲ ገዛእትን ቃልስታት የሐብኖ እምበር ኣየጣዕሶን። ምእንቲ ሉኡላውነቱ፣ ነፃነቱ፣ ሓርነቱን ክብሩን ዝገበሮም ቃልስታት ከም ብሄርን ህዝብን ናይ ምንባርዘይምንባር ዝውስኑ ወሰንቲ ምዕራፍት እዮም። እዚ ማለት ህዝቢ ትግራይ ናይ ኲናት ባህሊ ሃልዩዎ ኣይኮነን። የግዳስ ህዝቢ ትግራይ ነፃነቱን ልኡላውነቱን ተጎቢጡ ክነብር ዘይኽእል ክብርታቱ ኣነፂሩ ዝነብር፤ ከምቲ ንባዕሉ ዝብህጎ ክብርታት ንካልኦት ህዝብታት እውን ኣኽቢሩ ዝነብር በዓል መትከል ስለዝኾነ እምበር። ስለዚ ክጠዓሱ እንተኾይኖም ሃገርን ስርዓትን ንምህናፅ መስዋእቲ ንዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ ባዕዳውያን እናዓደሙ ዘጨፍጨፍዎ ስርዓታት እዮም። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ባህግታቱ ጌጋታት ኔሮምዎ ኣይፈልጥን። ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ‘ውን እንተኾነ ሰላምን ሰላምን ናይ መጀመርታን መወዳእታን ሃረርቱኡ እዩ። ንናይ ሰላም ፃዊዒት ‘ውን ሕልፊ መንገዲ ከይዱ ዝቕበል ህዝቢ እዩ።

እዚ ማለት ግን መሰል ዓርሰ ውሳንኡን ማዕርነቱን ተኸቢሩ ፍትሓዊ ተረባሕነቱ ብዘረጋግፅ መንገዲ ክኾነሉ ይደሊ። እዚኦም ድማ ልዕሊ ክልስ ሓሳባት ኣብ ባይታ ብተግባር ጋህዲ ኮይኖም ክርኢ ዝደሊ ህዝቢ እዩ። ስለዝኾነ ድማ እዚ ሃረርታ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ጋህዲ ክኸውን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ሃናፃይ ርክባት ተመስሪቱ ብሓባር ክሰርሕ ንፅውዕ።

ሕዚ ‘ውን እንተኾነ ከም ወትሩ ህዝቢ ትግራይ ንሰላም ውፉይ ምዃኑ ብዝተፈላለየ መንገዲ እናረጋገፀ ይርከብ። ካብ ንሰላም ዘለዎ ሃረርታ ብምብጋስ ነቲ ዝበፅሖ ኲናት ጆኖሳይድ ደው ዘብል ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተቐቢሉ ንሙሉእ ተፈፃምነቱ ንኹሉ ይምልከተኒ እዩ ዝብል ኣካል እናፀወዐ ይርከብ። ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሙሉእ ውሕስና ህዝቢ ትግራይ ዋላ ኣየረጋግፅ፤ እቲ ስምምዕ ብምፍፃም ሕድሕድ ተግባርሰላምን ምትእምማን እናወለደ ተረባሒ ክኸውን ምእንታን ዘይኽፈል ዋጋ እናኸፈለ ‘ዩ። ኮይኑ ግን ታሪኽ ተመሊሱ እናተደጋገመ ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶሪያ መሬት ክሕዝ ኣይከኣለን። ቀንዲ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይን ኣብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተቐመጡ ጉዳያትን ብውዓል ሕደር መሬት ክነኽኡ ኣይከኣሉን። ህዝቢ ትግራይ ሰላም በቶም ፖለቲካዊ መግለፅታት ልክዕ ብተግባር ተዓጂቦም ክፍፀሙ ዝብህግን ዝድግፍን ህዝቢ እዩ።

ህወሓት ‘ውን ከምኡ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘረጋግፅ ፃውዒት ሰላም ኩሉ ግዜ ዝብህጎን፤ ብፅኑዕ ሕድ ሕድ ዕድል ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክበፅሕን ህዝቢ ትግራይ ክርባሕን ብሙሉእ ውፉይነት ዝሰርሓሉን ቀንዲ ዓንዲ ቃልሱን እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰላምና ንምውሓስን ዘላቕነቱ ንምርግጋፅን ብሙሉእ ዓቕምናንሰርሐሉ ጉዳይ ምዃኑ ነረጋግፅ። ንሕድ ሕድ ፃውዒት ሰላም ንከይትኹለፍ ብጥንቃቐ ንሰርሕ። ህዝቢ ትግራይ ብቓልሱ ዘምዖኦ ስምምዕ ፕሪቶርያ’ውን ንውሕስና ሰላም ክፍፀም ንሰርሕ። ብምዃኑ ካብ ወረርቲ ሓይልታት ነፃ ዘይወፀ ህዝብና ነፃ ክወፅእ፤ ዝተመዛበለ ህዝብና ውሕስንኡ ተረጋጊፁ ናብ መረበቱ ክምለስ፤ ሉኡላውነት መሬት ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጆኖላይድ ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓታትነቶም ክረጋገፅ ንቐፃሊ ውሕስና ሰላም ትግራይ ውሳኒ እዩ። በዚ ኣቢሉ ‘ውን ትግራይ ናብ ንቡር ሕገመንግስታዊ ስርዓት ምምላስ ናይ ህዝቢ ትግራይ ባህግን ናይ ህወሓት መትከልን እዩ። ነዚ ድማ ምስ ኩሉ ናይ ሰላም ሓይሊ ንምስራሕ ትማሊ፤ ሕዝን ፅባሕን ድልዋት ምዃንና ክነረጋግፅ ንፎቱ።

ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ሓቀኛ ሰላም ‘ዩ!! ዘልኣለማዊ ከብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዉኣትና!! ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading