ከም ዝፍለጥ ህወሓት ኣብ መፈለምታ ወርሒ ነሓሰ 2016 ዓ.ም ኣብ ዘሳለጦ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤኡ ንህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ገምጊሙ ፤ ብሓፈሻ ካብ ፀገም ንምውፃእ ዘኽእሉ ኣንፈታት ዘነፀረ እንትኸውን፤ ብፍላይ ተልእኾታት ግዚያዊ ምምሕዳር ብስርዓት መሪሑ ብሄራዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ከረጋግፅ ዝኽእል ኣመራርሓ ክህሉ ዘኽእል ምትዕርራይ ንኽግበር ወሲኑ ምንባሩ ይዝከር።
ካብ’ዚ ብምብጋስ ንህወሓት ወኪሎም ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝፀንሑ ኣመራርሓ ብዘለዎም ፖለቲካዊ ሕመቕ፣ ዝፈፀምዎ ብሄራዊ ክሕደትን ገበናት ግዕዝይናን ከምኡ’ውን ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተውሃቦም ተልእኾታት ብዝግባእ ብዘይምፍፃም ተገምጊሞም ዝነበሮም ውክልና ንኽልዓል ተወሲኑ ዝሓደረ እዩ።
እቲ ውሳነ ተግባራዊ ንምግባር ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዝርርባት ክግበሩ ዝፀንሑ እንትኾኑ፣ ህወሓት ዘውረዶ ፕሬዚደንት ብኻልእ ተወካሊ ንምትካእ ዝርርብ ንምግባር ተወከልቲ ውድብና ህወሓት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዕለት 10 ሕዳር 2017 ዓ.ም ዝርርብ ኣካይዶም ነይሮም።
ኮይኑ ግና እቲ ጉዳይ ምስ ምግምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ተኣሳሲሩ ክርአ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀፃሊ ቆፀሮ ኣቐሚጡ ብዕለት 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም ተወከልቲ ህወሓትን ግዚያዊ ምምሕዳርን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትርን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምይይጥ ተኻይዱ እዩ።
ማእኸል እቲ ምይይጥ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተረዳዲእና ዘጣየሽናዮ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣፈፃፅምኡ ብምርኣይ ብወገን ህወሓት ዝቐረበ ፕሬዚደንት ናይ ምቕያር ውሳነ ዝምልከት ክኸውን ኣብ’ቲ ቀዳማይ ርክብ ዝርርብ ተገይሩ እኳ እንተነብረ እቲ ዛዕባ ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ብምስፋሕ ንህወሓት ኣጀንዳ ገይርካ ንምርኣይ ዝቐረበ መበገሲ ካብ ተወከልቲ ህወሓት ተቓውሞ ብምቕራቡ ኣብ’ቲ ዘራኸበና ዛዕባ ንኽንዘራረብ ተገይሩ እዩ።
ምትዕርራይ ኣመራርሓ ዝምልከት፤ ህወሓት ንህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታው ፕሬዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ካብ ሓይልታት መኸተ ዝተሓረየ ማእኸላይ ሰብ ንክኸውን ብማእኸላይ ኮሚቴ ወሲኑ ሕፁይ ኣቕሪቡ እዩ።
እንተኾነ ምትካእ ፕሬዚደንት ዝምልከት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ዳግም እንተዝርአ ዝብል ሓሳብ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምቕራቡ ኣብ ከይዲ ዘሎ ዘይተወድአ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ስለ’ዚ እቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገበረ ርክብ ነቲ ብሓበራዊ ምርድዳእ ዘጣየሽናዮ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝምልከት እዩ ነይሩ።
እንተኾነ ግና እቲ ካብ ህወሓት ዝተገለለ ብሄራዊ ክሕደት ዝፍፅም ዘሎ ጉጅለን ውሑዳት ኣብ ተመሳሳሊ ኣጀንዳ ዘለው ውልቀሰባትን ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ብምህጋር ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረብዎ ምሕፅንታ ታሪኽ ይቕረ ዘይበሃሎ ብሄራዊ ክሕደት ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
እቲ ጉጅለ ንህወሓት ዝምልከት ዘቕረቦ ፀለመን ስምዕታን ከም ዘለዎ ኮይኑ ብፍላይ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘእቱ ሓሳብ ሒዙ ብምቕራብ ብሄራዊ ክሕደቱ ብዝኸፍአ ደረጃ ብግልፂ ኣረጋጊፁ ኣሎ።
እቲ ጉጅለ ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ብምህጋር ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ንምእታው ኣብቲ ዝነበረ ርክብ ብግልፂ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ሓሳብ እንትንርአ፤
1) ንሰራዊት ትግራይ ብዝተፈላለዩ ገበናትን ሽማሽምን ብምፅላም፤ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘይተረጋገፀሉ ኩነታት እናሃለና ብሽም ዲዲኣር ብቕልጡፍ ዕጥቁ ክፈትሕን ክብተንን ብምግባር ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ልዕሊ ፖሊስን ሚሊሻን ኣይኮነን ኢሉ።
2) ኣብ ሰራዊት ትግራይ ዝፍፀም ዲዲኣር ምስ ስራሕቲ ሪፎርም ዘፈር ፀጥታን ድሕንነትን ብምውዳድ ክርአ ብምግባር ሰራዊት ትግራይ ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሕወሰሉ ከይዲ ንኽመዓራረ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
3) ሰራዊት ትግራይ ዲዲኣር ክሳብ ዝፍፀመሉ ኣብ ትሕቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ተጠርኒፉ ክምራሕ ክግበር ከም ዘለዎ ተማሕፂኑ።
4) ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዘሎ ናይ ዕደና ስራሕቲ ፀገማት ኣብ ምፍጣር ኮነ ንኸይፍታሕ ኣብ ምግባር ዘለዎ ግደ ባዕሉ እቲ ጉጅለ ሓላፍነት ክወስድ እናተገበኦ እቲ ጥፍኣት ናብ ኣመራርሓ ውድብን ሰራዊትን ገልቢጡ ካብ ቁፅፅር ወፃእ ከም ዝኾነ ብምምሳል፤ ስርዓት ንምትሓዝን ብወገን ትግራይ ምስ ኤርትራ ዝኾነ ርክብ ከይፍጠር ንምክልኻልን ብዝብል ሰበብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ንኽኣቱ ደጋጊሙ መፀዋዕታ
ኣቕሪቡ።
5) ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብወገን ትግራይ ተወካሊ ክስእን ዓሊሙ ክሰርሖ ዝፀንሐ ውዲት ንምዝዛም ብዓል ዋና ስምምዕ ፕሪቶሪያ መን ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክውስን ሕቶ ኣቕሪቡ።
6) መግለፂ መሰል ዓርሰ ምምሕዳር ህዝቢ ትግራይ ዝኾና ኣብያተ ምኽሪ ወረዳ፣ ከተማን ጣብያን ከም ዕንቅፋት ተራእየን ክፈርሳ ክውሰን ሓቲቱ።
7) ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተወሰደ ሃፍቲ ትእምት ክምለስ ንምሕታት ዝዓቀቦ እቲ ጉጅለ፤ ኣብ ሰራዊት ትግራይ ዘለዉ ተጋደልቲ ሰራሕተኛታትን መካይንን ትእምት ንኽምለሰሉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ስምዕታ ኣቕሪቡ።
ብድምር እቲ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ኣብ ትግራይ ንዘለዉ ጭቡጣት ናይ ህዝቢ ፀገማት ንጎኒ ገዲፉ፤ ኩሉ ነገር ኣሕሊፉ ንምሃብ ዕንቅፋት ኮይኖሙኒ ዝበሎም ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ንምብታን ዘኽእሎ ሓሳብ ሒዙ ብምቕራብ ብሄራዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ናይ ምህጋር ገበናቱ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኣብ ታሪክ ዘይርሳዕ ብሄራዊ ክሕደት ፈፂሙ ኣሎ።
እዚ ብሄራዊ ክሕደት ሎሚ ብቑሉዕ ኣውጅዎ’ምበር እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብተግባር እናሰርሐሉ ዝመፀ ምዃኑ ዝፍለጥ’ዩ።
ንኣብነት ህወሓት ከም ኢህወዴግ ካብ ውሽጥን ደገን ንምፍራስ ኣናሰርሐ ፀኒሑን ዘሎን ሰራዊት ትግራይ ንፅረትን ተስፋን ስኢኑ ንኽብተን ብዙሕ ሰሪሑ፣ ንኣመራርሓ መኸተ ብዝተፈላለየ ሽማሽም ብምፅላም ከሰኩንን ሕድሕዳዊ ምጥርጣር ክፍጠርን ሰሪሑ፣ ብድሕረትን ከባብያውነትን ሓድነት ህዝብን ሰራዊትን ክብትን ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን፣ ብሽም ለውጢ ፖለቲካዊ ሕፅቦ ንምክያድ ከምኡ ‘ውን ሕገ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሪሱ ኣብያተ ምኽሪ ንምብታን ሰሪሑን ይስርሕን ኣሎ፣ ንሕገ መንግስቲ ትግራይ ጥሒሱ በጀት ዞባታትን ወረዳታትን ብምዕፃው ህዝቢ ትግራይ ብዳግም ክባን ዕፅዋን ንምቕፃዕ ዝከኣሎ ኩሉ ይገብር ኣሎ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ትግራይ ሕብራዊ ናዕቢ ንኽልዓል ቅሉዕ ስልጠናን ምልዕዓልን የካይድ ኣሎ።
ብድምር እቲ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ዓቕምታቱ ተመንጢሉ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ክወድቕን ሓድነቱ ፈሪሱ ናብ ሕድሕዳዊ ጎነፅ ክኣቱን ለይትን ቀትርን ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ጉጅለ ናይ ጥፍኣት ዕላምኡ ንምፍፃም ድማ ዝተፈላለዩ ገበናት ዝፈፀሙ፣ ፀረ መኸተ ትግራይ ተሰሊፎም ዝነበሩ፣ ዝተፈላለዩ ቅርታት ዘለዎም ከምኡ ውን ንድሕረትን ከባብነትን
ንዘሰራስሩ ሰባት ዘይሕጋዊ ሽመታት ብምሃብ ኣጠናኺሩ ክሰርሐሉ ፀኒሑን ኣሎን።
ስለ ዝኾነ፤ እቲ ብጕሕለትን ብሄራዊ ክሕደትን ካብ ህወሓት ዝተጎለለ ጉጅለ “ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ብዝብል ዝሓዞ መንገዲ ጥፍኣት ኣጠናኺሩ ይቕፅል ከም ዘሎ ዝገምገመ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት፤ ኣብ ሓፂር ግዜ መልክዕ ንምትሓዝ ዘኽእል መደብ ሓንፂፁን ወሲኑን ናብ ቃልሲ ኣትዩ ኣሎ።
ስለ’ዚ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝርከብ መላእ ህዝብና፣ ኣባላትናን ኩሎም ሓይልታት መኸተን ኣብ ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ብሓባር ደው ኢሎም በቲ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ዝተሓሰበ ናይ ጥፍኣት ድግስ ንምብርዓን ብሓድነት ክቃለሱ ህወሓት ፃውዒቱ የቕርብ።
ብሄራዊ ሓድነትና ብምጥንኻር ኣንፃር ብሄራዊ ክሕደት ንቃለስ!
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና!
ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)
ታሕሳስ 2017 ዓ.ም
መቐለ።



Leave a Reply