ካብ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ።

ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

ውድብና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እቲ ካብ ውድብና ዝወፀ ፀረ ህዝቢ ጉጅለ ንዝሓዞ ሓላፍነት ተጠቂሙ ብፍሉይ ንህወሓት፣ ሰራዊት ትግራይን ኣብያተ ምኸርን ብሓፈሻ ድማ ፖለቲካውን ብሄራውን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምብታን ቀንዲ ዋኒኑ ጌሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምርግጋፅ ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሓዊሱ ኣብቲ ጉጅለ ዘለዉ ውልቀሰባት ብሽም ህወሓት ካብ ዝሓዝዎ ምምሕዳራዊ ሓላፍነታት ከምዘልዐሎም ይዝከር፡፡

ውድብና ህወሓት ንኣይተ ጌታቸው ረዳ ሂብዎ ዝነበረ ውክልና ፕረዚደንት ብምልዓል ከመይን ብመንን ከምዝትካእ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ከይዲ ዝርርብ ኣብዘለሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ እዚ ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ውክልና ዘይብሉ ፀረ ህዝቢ ጉጅለ ሕዚ እውን ኩሎም ዓይነታት ድሕረት ተጠቒሙ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምዝራግን ብናዕብን ህወከትን ስልጣን ህዝቢ ንምምንዛዕን ዝገብሮ ምንቅስቓስ ቀፂሉ ኣሎ፡፡

እዚ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ነተን ውክልና ህዝቢ ዝሓዛ ኣብያተ ምኸሪ ኣፍልጦ ከምዘይህብን ልዕልና ህዝቢ ከምዘይቕበልን ብዕሊ ክገልፅ ዝፀንሐ ጉጅለ ንውሳነታት ኣብያተ ምኸሪ ብምጥሓስ ብኢደወነኑ ምስሌኔታት ኣብ ምሻምን ብኣብያተ ምኸሪ ንዝተሸሙ ሓለፍቲ ስራሕ ምምሕዳራት ህዝባዊ ኣገልግሎት ከይህቡ ኣብ ምዕንቃፍን ይርከብ።

ዓንቀፅ 8 ሕገ-መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፤ ህዝቢ ትግራይ በዓል ዋና ላዕለዋይ ስልጣን መንግስቲ ትግራይ ምዃኑን ልዕልነት ህዝቢ ዝግለፅ ድማ ብዝመረፆም ተወከልትን ባዕሉ ብቐጥታ ብዝገብሮ ዲሞክራስያዊ ተሳትፎን ምዃኑ ይድንግግ። እንተኾነ ግን እዚ ጉጅለ ነዚ ላዕለዋይ ዋንነት ስልጣን ህዝቢ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ውልቀ መላኺ ስርዓት ንምድዕናን ብሙሉእ ዓቕሙ ኣብ ምንቅስቓስ ተፀሚዱ ኣሎ።

ኣካል እዚ ምንቅስቓስ ድማ ትማሊ 23 ሕዳር 2017 ዓ/ም ኣብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ፤ ነቲ ቤት ምኸሪ ከተማ መቐለ ብሕጊ ዝተወሃቦ ሓላፍነት ተጠቒሙ ዝሸሞ ኣመራርሓ ብናዕብን ዕግርግርን ካብ ቤትፅሕፈት ኣውፂኡ በቲ ፅግዕተኛ ጉጅለ ብዝተመደበ ምስሌኔ ንቤትፅሕፈት እቲ ምምሕዳር ብሓይሊ ንምቁፅፃር ፈቲኑ እዩ፡፡
እዚ ፈተነ፤ እቲ ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይን ንበቢደረጅኡ ዘለዋ ውክልና ህዝቢ ዝሓዛ ኣብያተ ምኽሪን ዘለዎ ንዕቐት ዘመላኸት ተግባር ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ስልጣን ብምብሓት ህዝቢ ትግራይ ንምግዛእ ካብ ዘለዎ ክቱር ድሌት ውልቀ ምልክነት ዝበገስ እውን እዩ፡፡

ውድብና ህወሓት ነዚ ከምዚ ዝበለ ህዝቢ ትግራይ ስርዓት ንምትካል ንዝኸፈሎ መሰዋእትን ዘካየዶን የካይዶ ንዘሎ ቃልስን ዝኸሕድ ምንቅስቓስ እዚ ቀይዲ በተኸ ጉጅለ፤ ኣትሪሩ እናኾነነ መላእ ህዝብና ውዳበታቱ ብምጥንኻር ነዚ ፀረ ህዝቢ ምንቅስቓስ ጠጠው ንምባል ቃልሱ ከጠናኸር ከምዘግባእ የዘኻኸር፡፡

ኣካላት ፍትሕን ፀጥታን ኣብ ልዕሊ ነዚ ከምዚ ዝበለ ጥሕሰት ሕገመንግስታዊ ስርዓት ዝፍፅም ዘሎ ጉጅለ ብዘይወዓል ሕደር ሕጋዊ ተሓታትነት ከረጋግፁን ሕገመንግስታዊ ስርዓት ክኸበር ክገብሩን ይፅውዕ፡፡

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading