ኳታር ናብ ኣውሮፓ ዝትልእኾ ነዳዲ ክተቋርፅ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ ።
ኳታር ናብ ኣውሮፓ ብበዝሒ ነዳዲ ካብዝልእኻ ሃገራት ሓንቲ እያ ። ሕብረት ኣውሮፓ ቅድሚ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ምስ ሰብኣዊ መሰላትን ከባብያዊ ሓለዋን ዝተትሓሓዘ ሓዱሽ ሕጊ ኣውፂኡ እዩ። እዚ ሕጊ ብፍላይ መሰል ሰራሕተኛታት ዘየኽብሩን ከባብያዊ ፅሬት ብዘይሕሉ መንገዲ ዝተመረቱ ምህርትታት ናብ ኣውሮፓ ከይኣትው ዝኽልክል እዩ።
ብሃፍቲ ነዳዲ እትፍለጥ ኳታር ድማ እዚ ሕጊ ተግባራዊ ዝግበር እንተኾይኑ ናብ ኣውሮፓ ዝትልእኾ ነዳዲ ክተቋርፅ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ ኣላ።
ሚኒስትር ኢነርጂ እታሃገር ሳእድ ኣል ካቢ ንፋይናንሻል ታይምስ ከምዝገለፅዎ ሕብረት አውሮፓ በዚ ሕጊ ምቅፃዕ እንድሕር ጀሚሩ ነዳዲ ምልኣኽ ክነቋርፅ ኢና ክብሉ ገሊፆም።
በቲ ሕጊ መሰረት ሕብረት ኣውሮፓ መሰል ሰራሕተኛታት ጥሒሶም ዝተመረቱን ናብቲ አህጉር ዝኣትው ምህርትታት ብዝግባእ ነቲ ሕጊ ኣኽቢሮም ከምዝተመረቱ ከረጋግፁ ከምዘለዎም ይድንግግ።
ሃገራት ይኹን ዝተፈላለዩ ድርጅታት ነዚ ድንጋገ ከምዘኽበሩ እንድሕር ዘየረጋጊፆም ኣብ ዕዳጋ ኣውሮፓ ካብ ዝሸጥዎ ፍርያት ሓሙሽተ ሚኢታዊ ከምዝቕፅዑ ደንጊጉ እዩ።
ሚኒስተር ኢነረጂ ኳታር ሕብረት ኣውሮፓ ካብ ነዳዲ ኳታር ሓሙሽተ ሚኢታዊ እንድሕር ዝቖርፅ ኮይኑ ብጠቕላላ ናብቲ ኣህጉር ነዳዲ ምልኣኽ ንምቁራፅ ከምእትግደድ ገሊፆም።
ሕብረት ኣውሮፓ ኣውፅእዎ ብዝሎ ሕጊ ብዙሓት ሃገራት ክጎድእ ዝኽእል እንትኾውን ብፍላይ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ቡናን ዕምበባታትን ብዋናነት ተጎዳእቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።
ኢትዮጵያ ካብ ጠቕላላ ወፃኢ ንግዲ 30% ናብ ኣውሮፓ ዝትልእኽ እንትትኾውን በዚ ድንጋገ ምኽንያት ካብ ዕዳጋ ንዘይምውፃእ ምስቲ ሕብረት ብሓባር ትሰርሕ ምህላዋ ብተደጋጋሚ ክትገልፅ ፀኒሓ እያ። ነዚ ስዒቡ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ቡና ልኣኽቲ ማሕበር ንልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ኣፍረይቲ ቡና ገባራት ከምዝጎድእ ምግላፁ ይዝከር ።
ኣገባብ ኣመራርታ ቡና ኢትዮጵያ ምስ ሓለዋ ፅሬት ከባቢ ዝፃረር ኣይኮነን፥ ሕብረት ኣውሮፓ ነቲ ዘሎ ሓቂ ክርዳእ ምስ መንግስቲ ብሓባር ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ።



Leave a Reply