ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ጌድዮን ጢሞቲዎስ ብምክትል ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስትር ቱርኪ ቡርሃንቲን ዱራን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ተገሊፁ። እቶም ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ቱርክን ኣብ ዝርያ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕነት ኣንካራ ከምዝተዛተዩ ተሓቢሩ።
ዶ/ር ጌድዮን ምስ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ስምምዕነት ኣንካራ ተግባራዊ ንክግበር ኣብ ቀፃሊ ብዛዕባ ዝግበር ናይ ቴክኒክ ድርድር ምስ ምክትል ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ቱርኪ ቡርሃንቲን ዱራን ከም ዝተዛተዩ ኣዲስ ስታንዳርድ ፀብፂቡ።
ብተወሳኺ ዶ/ር ጌድዮን ጢሞትዮስ ኢትዮጵያ ንሙሉእ ተፈፃምነት ስምምዕነት ኣንካራ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ገሊፆም። ፕሬዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ኢትዮጵያን ሶማልያን ንስምምዕነት ኣንካራ ከፍርሙ ዝለዓለ እጃም ከምዘበርከቱ ዝፍለጥ እንትኸውን ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2025 ናይ መጀመርያ ክልተ ኣዋርሕ ክልቲአን ሃገራት ከምዝግብንዩ ኣፍሊጦም ምንባሮም ይዝከር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕሬዘዳንት ሓሰን ሼክ መሓሙድን ኢትዮጵያ ምስ ዲፋክቶ ስቴት ዝኾነት ሶማሊላንድ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ መረዳድኢ ውዕሊ ምፍርራማ ስዒቡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጠረ ጎንፂ ንምፍታሕ ብኣደራዳራይነት ፕረዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ብታሕሳስ 2/ 2017 ዓ.ም ከምዝተፈራረሙ ይዝከር።
ይኹን እምበር ሶማልያ ምፍርራም መረዳድኢ ውዕሊ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ከም ጥሕሰት ልኣላውነት ሶማልያ ብምቕፃር ምስ ግብፅን ኤርትራን ዝመስረተቶ ርክብ ሕዚ እውን ኣጠናኺራ እናቐፀለቶ ትርከብ።



Leave a Reply