Tag: #ኢትዮጵያ
-
ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤትምህርቲ ማይ ተባይ ብሓገዝ ግዱስ ብዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘውዱነህ ግርማይ ዝተሰርሑ መምሃሪ ክፍልታት ፀገም እታ ቤትምህርቲ ከም ዘቃለለ ተገሊፁ።

ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ዕዳጋ ዓርቢ እትርከብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማይ ተባይ ዝነበረ ሕፅረት መምሃሪ ክፍሊ ንምቅላል ብ10 ሚልዮን ብር ወፃኢ ብምግባርሓደ ብዓል ሰለስተ ክፍሊ ብሎክን ሓደ መዕረፊ መምሃራንን ሓደ ሽንትቤትን ብግዱስ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘውዱነህ ግርማይ ካሕሳይ ብዝተገበረ ሙሉእ ሓገዝ ተሰሪሑ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኸፈተ ፅንተታዊ ኲናት ስዒቡ ዝነበሩ ማተሪያላት ብሙሉእ ብምዕናዎምን…
-
ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ዋጋ ሓደ ሊትሮ ቤንዚን ካብ 100 ሓሊፉ።

ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ዋጋ ሓደ ሊትሮ ቤንዚን ካብ 100 ሓሊፉ። ሚኒስትረ ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ ትማሊ ታሕሳስ 29/ 2017 ዓ.ም መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። ነዚ ወሰኽ ሰዒቡ 91 ብር ብሊትር ዝሽወጥ ዝነበረ ቤንዚን 101.47 ብር በፂሑ በዚ መሰረት ዋጋ ሓደ ሊትሮ ቤንዚን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ካብ ሓደ ሚኢቲ ወሰኽ…
-
ነበር ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ጂሚ ካርተር ኣብ መበል 100 ዓመቶም ሎሚ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።

ነበር ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ጂሚ ካርተር ኣብ መበል 100 ዓመቶም ሎሚ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም። ኣብ ዙርያ ዓለም ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝጣበቕ ካርተር ማእኸል ነበር ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ጂሚ ካርተር ብሰንበት ድሕሪ ሰዓት ኣብ ጆርጅያ ፕላይንስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ከምዝዓረፉ ኣፍሊጡ። ኣባል ፓርቲ ዲሞክራት ዝነበሩ ጂሚ ካርተር ከም ኣቆፃፅራ አውሮፓውያን ካብ 1977 ክሳብ 1981ኣሜሪካ ብኢኮኖምያዊን ዲፕሎማሲያዊ…
-
ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ኣብ ክልተኣውን ቀጠናውን ጉዳያት ተዛትዮም።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ኣብ ክልተኣውን ቀጠናውን ጉዳያት ተዛትዮም። ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ዶ/ር ጌድዮን ጢሞቴዎስ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጁቡቲ መሃሙድ ዓሊ የሱፍ ኣብ ቀጠናውን ክልትኣውን ርክባት ኣመልኪቶም ትማሊ ከም ዝተዛተዩ ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ዶ.ር ጌድዮን ጢሞትዮስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ቀጠናዊ ሰላምን ምርግጋዕን ንምጥንኻር ዝገበረቶ አስተዋፅኦ ብምጥቃስ ፥ ኸዚ…
-
ፕሬዘዳንት ሶማልያ ሓሰን ሼክ መሃሙድ ድሕሪ ስምምዕነት ኣንካራ ንመጀመርያ ግዜ ኣስመራ ኣትዮም።

ፕሬዘዳንት ሶማልያ ሓሰን ሼክ መሃሙድ ድሕሪ ስምምዕነት ኣንካራ ንመጀመርያ ግዜ ኣስመራ ኣትዮም። ፕረዚዳንት ሶማሊያ ሀሰን ሼክ መሀሙድ ትማሊ ድሕሪ ሰዓት ናብ ኤርትራ ከምዝተጓዓዙ ሚኒስተር ሓበሬታ ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ገፆም ሓቢሮም። እቶም ፕረዚዳንት አስመራ እንትኣትው ብፕረዚዳንት ኢሳያስ አፍወርቂ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ተገሊፁ እዩ። ኣይተ የማነ ከምዝገለፅዎ ክልቲኦም መራሕቲ ክልተኣዊ ርክባቶም ኣብምጥንኻርን ኣብ ናይ ሓባር…
-
ብኣደራዳራይነት ቱርኪ ኢትዮጵያ እና ሶማሊያ ኣብ ስምምዕነት ምብፀሐን ተገሊፁ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ኢትዮጵያ ምስ ዲፋክቶ ስቴት ዝኾነት ሶማሊላንድ ናይ ወደብ ስምምዕነት ምፍርራመን ዝዝከር እንትኾን ነዚ ስምምዕነት ስዒቡ ሶማልያ ሉኣላውነተይ ዝጥሕስ እዩ ብምባል ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ርክብ በምቁራፅ ንኤርትራን ግብፅን ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኣንፃር ኢትዮጵያ ምንቅስቓሳት ክትገብር ምፅንሓ ይፈለጥ። ምስ ክልቲአን ሃገራት ኣንፃራዊ ምሕዝነት ዘለዋ ቱርኪ ኣብ ኣንካራ ናይ ዘተ መድረኽ ብምድላው ቀዳማይ ሚኒስተር…
-
ባንክታት ኢትዮጵያ ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ብር ከምዝተንጭበርበሩ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዓመታዊ ናይ ገንዘብ ድሕንነት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ ሪፖርት ከምዝሓበሮ ክስብ ሰነ 2024 ኣብዘሎ ግዜ ጥራሕ ካብ 28 ባንክታት 1.3 ቢልዮን ብር ብኣጭበርበርቲ ከምዝተሰረቑ ሓቢሩ። እዚ ዝተንጭበርበሩሉ ምኽንያት ድማ ብዘይሕጋዊ ባጤራ ፣ ብዝተሰረቑ ናይ ኤቲኤም ማሽናት ፣ ብናይ ሓሶት ቼክ ፣ብናይ ሓሶት ናይ ስልኪ መልአኽትን ብኻልኦት ምኽንያታትን ዝተፈፀሙ ሙዃኖም ጠቒሱ፥ብተወሳኺ ኣብዚ ዓመት ባንክታት…

