ፕሬዘዳንት ሶማልያ ሓሰን ሼክ መሃሙድ ድሕሪ ስምምዕነት ኣንካራ ንመጀመርያ ግዜ ኣስመራ ኣትዮም።

ፕሬዘዳንት ሶማልያ ሓሰን ሼክ መሃሙድ ድሕሪ ስምምዕነት ኣንካራ ንመጀመርያ ግዜ ኣስመራ ኣትዮም።

ፕረዚዳንት ሶማሊያ ሀሰን ሼክ መሀሙድ ትማሊ ድሕሪ ሰዓት ናብ ኤርትራ ከምዝተጓዓዙ ሚኒስተር ሓበሬታ ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ገፆም ሓቢሮም። እቶም ፕረዚዳንት አስመራ እንትኣትው ብፕረዚዳንት ኢሳያስ አፍወርቂ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ተገሊፁ እዩ።

ኣይተ የማነ ከምዝገለፅዎ ክልቲኦም መራሕቲ ክልተኣዊ ርክባቶም ኣብምጥንኻርን ኣብ ናይ ሓባር ቀጠናውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ከምዝመኽሩን ወሲኾም ሓቢሮም።

ሃሰን ሼክ መሀመድ እዚ ዑደት ዝገበርዎ ብናይ ወደብ ስምምዕነት ምኽንያት ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ጎንፂ ጠጠው ንምባል ብኣደራዳራይነት ቱርኪ ካብ ዝሰማዕምዑ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዩ።

ቀደማይ ሚኒስተር ኣብዪ አሕመድ ኣብዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ ምባሎም ስዒቡ ፕረዚዳንት ሶማሊያ ሃሰን ሽክ መሃመድ ናብ ኤርትራ ተዳጋጋሚ ዑደት ብምግባር ንግብፂ ዝሓወሰ ሰለስተኣዊ ጥምረት በምምስራት ንኢትዮጵያ ንምኽባብ ዝተፈላለዩ ምንቅስቃሳት ከገብሩ ምፅንሖም ዝዝከር እዩ።

ኢትዮጵያ ድማ ምስ ዲፋክቶ ስቴት ዝኾነት ሶማሊላንድ ብዝፈረመቶ ናይ ወደብ ስምምዕነት ምኽንያት ምስ ሶማልያ ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸረረ ዘይምርድዳእ ኣብፂሕዎ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።

ሶማልያ ነቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈረመ መረዳድኢ ውዕሊ ኣጥቢቓ ካብ ምቅዋም ብዝሓለፈ አምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ብምብራር ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ እንዳካየደት ድሕሪ ምፅናሕ ፕረዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ንኽልቲኦም መራሕቲ ናብ ኣንካራ ብምፅዋዕ ነቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝፀንሐ ጎነፂ ዕልባት ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ከምዘፈራረምሞ እንዳተገለፀ ፀኒሑ እዩ።

“ኣንካራ ዲክላሬሽን ” ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ እዚ ስምምዕነት ኢትዮጵያ ንልኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ብዘኽበረ መልክዑ ዘተኣማምንን ድሕንነቱ ዝተረጋገፀ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ኢትዮጵያ ክትጥቀም ዘኽእላ መንገዲ ዘፅንዑ ሰብ ምያ ተመዚዞም ክሳብ ለካቲት ኣብ ዘሎ ግዜ ውሽጢ ዕላዊ ክግበር ይድንግግ። ብወገን ሶማልያ ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኑ ኣብታ ሃገር ሰላም ንምኽባር ዝኸፈሎ መስዋእትነት ኣፍልጦ ክትህብን ዝብሉ ድንጋገታት ዘስፈረ እዩ።

ይኹን ድኣ እምበር ቅድሚ ክልተ መዓልትታት ኣቢሉ ሶማልያ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ድሎው ኣብ እትበሃል ግዝኣታ ዝርከብ ሰራዊት ሰማልያ መጥቃዕቲ ከፊቱ እዩ ክትብል ክትከስስ ምፅናሓ ዝዝከር እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ድማ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ባድር ኣብድላቲ ሰራዊት ግብፂ ኣብ መፃኢ ወርሒ ጥሪ ብኣፍሪካ ሕብረት ኣብ ዝጅመር ናይ ሰላም ምኽባር ወፍሪ ሰራዊት ግብፂ ከምዝሳተፍ ገሊፁ ምንባሩ ይፍለጥ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading