ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ዋጋ ሓደ ሊትሮ ቤንዚን ካብ 100 ሓሊፉ። ሚኒስትረ ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ ትማሊ ታሕሳስ 29/ 2017 ዓ.ም መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። ነዚ ወሰኽ ሰዒቡ 91 ብር ብሊትር ዝሽወጥ ዝነበረ ቤንዚን 101.47 ብር በፂሑ በዚ መሰረት ዋጋ ሓደ ሊትሮ ቤንዚን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ካብ ሓደ ሚኢቲ ወሰኽ ኣርእዩ ይርከብ። ብተወሳኺ ብመሰረት ሚኒስትር ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ ዝርዝር ዋጋ ዓይነታት ነዳዲ ናይ አውሮፕላን ነዳዲ 109.56 እንትበፅሕ ዋጋ ክሮሲንን ፃዕዳ ናፍጣን ድማ ብሽሞንተ ብር ወሲኾም 98.29 በፂሖም ይርከቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ተግባራዊ ዝተገበረ ለውጢ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ንመጀመርያ ግዜ ናይ ዋጋ ወሰኽ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተገበረ እንትኾን ሐዚ ድማ ንኻልኣይ ግዜ ዝርዝር ወሰኽ ዋጋ ዓይነታት ነዳዲ ዕላዊ ተገይሩ ይርከብ። ኣብቲ እዋን ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ በብሰለስተ ወርሑ ከምዝግበርን ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ ድጎማ ብኽፋል ከምዝድጐም ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ መንግስቲ ብዕዳጋ ዝውሰን ፖሊሲ ሸርፊ ወፃኢ ዕላዊ እንትገብር በቲ ፖሊሲ ምኽንያት ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ንምድጋፍ ዘኽእሉ ሰራሕቲ ከምዝሰርሑ ኣብ ዝገለፀሉ እዋን ካብኣቶም ሓደ ዋጋ ነዳዲ ብኽፋል ክድጎም ዝብል ምንባሩ ይፍለጥ።



Leave a Reply