ሚኒስተር ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ንሳላሳይ ዙር ወሰኽ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ ሓዱሽ ናይ ነዳዲ ችርቻሮ ዋጋ ንሓደ ሊትሮ ቤንዚን 112.67 ብር ንሓደ ሊትሮ ናፍጣ ድማ 107.93 ብር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ። እዚ ወሰኽ ካብ ትማሊ ሰንበት 14.07.2017 ዓ.ም ምሸት ጀሚሩ ተግባራዊ ዝተገበረ እንትኸውን እዚ ድማ ንመበል ሳልሳይ ግዜ ዝተገበረ ናይ ዋጋ ወሰኽ ኮይኑ ኣሎ።
ፌደራል መንግስቲ ኣብ ነዳዲ ዝግበር ድጎማ ካብ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ እናቐነስ ዝመፅአ ሙዃኑ ዝፍለጥ እንትኾን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብዝጀመሮ ድጎማ ናይምልዓል ከይዲ ናይ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ተሽከርከርቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካብ ናይ ድጎማ ስርዓት ዝወፃ ምዃነን ዝፍለጥ ኮይኑ ናይ ህዝቢ ትራንስፖርት ኣገልግሎት ውሃብቲ ተሽከርከርቲ ድማ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝልዓል ምግላፁ ይዝከር።
ፌደራል መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ብሓገዝ IMF ተግባራዊ ምዃን ዝጀመረ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚ ሪፎርም ስዒቡ ዝመፅአ ዕዳጋ ዝመርሖ ናይ ሸርፊ ወፃኢ ሰርዓት ኣብ ዋጋ ነዳዲ ዝለዓለ ወሰኽ ዘስዓበ እንትኾን ሚኒስትሪ ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ኣብ መስከረም 2017 ዓ.ም በብሰለስተ ወርሑ እናወሰኸ ከምዝቕፅል ምግላፁ ይዝከር።



Leave a Reply