ኣብ ዞባ ጅማ ከተማ ኣሰንዳቦ ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ዞባ ጅማ ከተማ ኣሰንዳቦ ካብ ንግዲ በርበረ ዝእከብ ቀረፅ ብብዙሕ ዕፅፊ ከውሰኽ ተጌሩ እዩ ብምባል ነጋዶ እቲ ከባብን ነበርትን ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ኣብ ምክያድ ይርከቡ። እቶም ሰልፈኛታት ከምዝገለፅዎ ንሓደ በርበረ ዝፅዓነ መኪና ኣብ ዝሓለፈ ይኽፈል ካብ ዝነበረ 8000 ቀረፅ ሐዚ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ መጠንቀቕታ ናብ 600,000 ክውስኽ ከምዝተገበረ ብምግላፅ ነዚ ተቛውሞኦም ንምግላፅ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ናይ ተቛውሞ ሰልፊ እናተኻየ እዩ።



Leave a Reply